መዓርፎ ነፈርቲ ባጽዕ ኣብ እዋን ሓደጋ ከም መተካእታ ንኸገልግል ህጹጽ ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ

መዓርፎ ነፈርቲ ባጽዕ ኣብ እዋን ሓደጋ ከም መተካእታ ንኸገልግል ህጹጽ ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: May 6, 2014

Massa airport

መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ፣ ብሰንኪ ሓደጋ ሓንቲ ናይ የመን ነፋሪት ንሳልስቲ ድሕሪ ምቁራጹ፣ መዓርፎ ነፈርቲ ባጽዕ ከም መተካእታ ንኸገልግል ሓድሽ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ሓንቲ ነፋሪት መንገዲ ኣየር የመን፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ እትዓልበሉ ዝነበረት እዋን መንገዳ ስሒታ ድሕሪ ምንሽርታታ፣ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ንሳልስቲ ተዓጽዩ ድሕሪ ብምጽንሑ፣ ካብን ናብን ኣስመራ ሰንዓ ከምኡ ድማ ኣስመራ ካይሮ ዝነበረ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ተሰናኺሉ ምቕናዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

 

ናይ ክራማት ዕረፍትን ኣብ ሳዋ ንዝካየድ ፌስቲቫልን ናብ ኤርትራ ዝኣትዉ ኤርትራውያን ብዝሒ ክህልዎም’ዩ ካብ ዝብል ትጽቢት፣ ካብን ናብን ኣስመራ፣ ከተማታት ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ማእከላይ ምብራቕን ኤውሮጳን ናይ መጓዓዝያ በረታታት ንምእንጋድ ምስ ሓያሎ መንገዲ ኣየራት ስምምዕ ተኸቲሙ እኳ እንተሎ፣ እዚ ብሰንኪ ሓደጋ ምንሽርታት ነፋሪት ዘጋጠመ ምቑራጽ ኣገልግሎት መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ግና ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

ከጋጥም ንዝኽእል ተመሳሳሊ ጸገም ንምፍታሕ ክሕግዝ ይኽእል’ዩ ተባሂሉ ድማ፣ ነቲ ኣብ ባጽዕ ዝተሃንጸ ሕድሽ መዓርፎ ነፈርቲ፣ ንኣገልግሎት ክውዕል ዝኽእለሉ ባይታ ንምጥጣሕ ህጹጽ ጻዕርታት ይካየድ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ገሊጾም።

እቲ ኣብ ባጽዕ ዝተሃንጸ መዓርፎ ነፈርቲ፣ ንወትሃደራውን ፍሉይ በረራታትን እንተዘይኮይኑ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎት ሂቡ ኣይፈልጥን’ዩ።

እቲ ዝዓብነየ ብድሆ ናይዚ ናይ ባጽዕ መዓርፎ ነፈርቲ ድማ፣ ካብን ናብን ባጽዕን ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ስሩዕን እኹልን ናይ ምድሪ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ክህሉ ዘይምኽኣሉ’ዩ።
=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0