መዓልታዊ ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ካብ ኣማኢት ናብ ኣሽሓት ተሰጋጊሩ

መዓልታዊ ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ካብ ኣማኢት ናብ ኣሽሓት ተሰጋጊሩ

Radio Erena: April 11, 2014

Italy 4000

ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ መዓልታዊ ካብ ኣማኢት ናብ ኣሽሓት ተሰጋጊሩ

ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 600 ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 5 ሽሕ ስደተኛታት ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ኢጣልያ ምስጋሮም፣ ንሰበ ስልጣን ኢጣልያ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢርሎም ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ኤውሮጳ ገሊጸን።

እዚ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ዝተራእየ ዋሕዚ ስደተኛታት ሃገራት ኣፍሪቃ ናብ ኢጣልያ፣ ድሕሪ’ቲ ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ንምድሓን ዝጀመሮ ስርሒት እቲ ዝበዝሐ’ዩ።

 

ሓያሎ ሰበ ስልጣን ኢጣልያ፣ እቲ ብዝተዓጻጸፈ ናህሪ ዝዛይድ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት፣ ኢጣልይ ኣበይና መፍትሒ ከተናድየሉ ከምዘይትኽእል ብምጥቃስ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ቅልጡፍ ሓገዝ ከበርክት ሓቲቶም።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳትያ ኢጣልታ ኣንጀሊኖ ኣልፋኖ፣ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት በዚ’ውን ደው ክብል ስለዘይኮነ ቅልጡፍ ፍታሕ ክናደ ምዃኑ ሓቢሩ።

ናብ ኢጣልያን ሃገራት ኤውሮጳን ንምስጋር ተዳልዮም ዘለዉ ልዕሊ 600 ሽሕ ስደተኛታት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሊብያ ከምዘለዉ ዝጠቐሰ እቲ ሚኒስተር፣ መግትኢ እንተዘይተጌርሉ ከቢድ ቅልውላው ክፍጠር ከምዝኽእል’ዩ ዘጠንቕቕ።

ኢጣልያ ንዋሕዚ ስደተኛታት ተጋንኖ ኣላ ዝበሉ ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ድማ፣ መንግስቲ ኢጣልያ ነቲ ዝንቐፈሉ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ንምኽዋል ኮነ ኢሉ የጎሃህሮ ከምዘሎ’ዮም ዝወቕሱ።

ኣብተን ዜጋታተን ብብዝሒ ናብ ስደት ዘምርሑ ዘለዉ ከም ኤርትራ፣ ሶርያን ሶማልያን ዝኣመሰላ ሃገራት ህዝበን ቀሲኑ ብሰላም ናብርኡ ከምርሕ ዝኽእለሉ ባይታ ከይተፈጥረ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ክግታእ ይኽእል’ዩ ምባል ድማ ኣጸጋሚ ምዃኑ’ዮም ዝሰማምዑ።
=====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0