መንግስቲ ጁባ ተቓወምቲ ሱዳን ይሕብሕብ ኣሎ ክብል መንግስቲ ካርቱም ወቒሱ

መንግስቲ ጁባ ተቓወምቲ ሱዳን ይሕብሕብ ኣሎ ክብል መንግስቲ ካርቱም ወቒሱ

Radio Erena: 16 December 2014

Bashsal

መንግስቲ ጁባ ንተቓወምቲ ሱዳን ምድጋፍ ይቕጽሎ ኣሎ ክብል ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከሲሱ።

እቲ ሚኒስትሪ ንጸብጻብ ክፍሊ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ብምጥቃስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ነቶም ብስም ሰራውራ ግንባር ሱዳን ዝተኣኻኸቡ ተቓወምቲ ይድግፍን ከምዘሎ መርትዖ ምህላዉ ኣረዲኡ።

ሰራዊት ሱዳን ነቶም ተቓወምቲ ንምህዳን ክሳብ ውሽጢ ደቡብ ሱዳን እናኣተወ ስርሒት ከካይድ ከምዝኽእል’ውን ኣጠንቒቑ።

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ብተወሳኺ፣ ጁባ ንተቓወምቲ ሰውራዊ ግንባር ሱዳን ምድጋፋ ነቲ ምስ መንግስቲ ሱዳን ዘለዋ ረብሓ ክትከስሮ ከምእትኽእል ኣሚቱ።

 

መራሕቲ ክልትኤን ሱዳን ኣብ ዘካየድዎ ተደጋጋሚ ርክባት ሓድሕድ ተቓወምቲ ከይህብሕባን ንሓባራዊ ረብሓታት ክሰርሓን ኣብ ዝብል ነጥቢ እኳ እንተተረዳድኡ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ግና ሓድሕዶም ካብ ምውቕቓስ ኣየዕረፉን።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0