መንግስቲ እስራኤል ንውሳኔ ቤት ፍርዲ ኣብ ጉዳይ ቤት ማእሰርቲ ሖሎት ነጺግዎ

መንግስቲ እስራኤል ንውሳኔ ቤት ፍርዲ ኣብ ጉዳይ ቤት ማእሰርቲ ሖሎት ነጺግዎ

Radio Erena : 25 September, 2014

Cabinet Minister

መንግስቲ እስራኤል ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንዝተዋህበ ውሳኔ ምዕጻው ቤት ማእሰርቲ ሖሎት ነጺግዎ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ጊደዎን ሳር፣ ድሕሪ’ቲ ውሳኔ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚም ናታንያሁ ቀጥታዊ ዝዝርብ ብምክያድ፣ መንግስቲ ህጹጽ ኣኼባ ከካይድ ጸዊዑ።

እቲ ቤት ፍርዲ ዝኣዘዞ ውሳኔ ኣብ ግብሪ እንተውዒሉ፣ እስራኤል ካልእ መልክዕ ክትሕዝ’ያ ዝበለ ሚኒስተር ጊደዎን፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ጣልቃ ዘይኣትወሉ ሓድሽ መስርሕ ክናደ’ውን ሓቲቱ።

ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ካብ ስልጣኑ ክሰናበት ምዃኑ ዝተሓበረ ሚኒስተር ውስጣዊ ጉዳያት እስራኤል ጊደዎን ሳር፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ዘሕልከፎ ውሳኔ ኣንጻር ረብሓ እስርራኤል ምዃኑ’ውን ብትሪ ነቒፉ።

 

ሚኒስተር ኣባይቲ ኡሪ ኣርያል ብወገኑ፣ እቲ ትእዝዛ ካብ ትጽቢት እስራኤላውያን ወጻኢ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ እቲ ቤት ፍርዲ ንእስራኤል ዝባኑ ዝሃበ’ዩ ክብል ምስ ክሕደት ገሊጽዎ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንስደተኛታት ዝጣበቐሎም እንተኾይኑ፣ ሓጹር ምህናጽ ይኹን ካልእ ጻዕርታት ትርጉም የብሉን ክብል’ውን ኣማሪሩ።

ኣብ ታሪኽ ግዝኣተ ሕጊ እስራኤል፣ ጸላም መዓልቲ’ያ ክብል’ዩ ነታ እቲ ትእዛዝ ዝተዋህበላ ዕለት 22 መስከረም ገሊጽዋ።

ሓያሎ ኣኽረርቲ እስራኤልውያን ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራን ኣባል ባይን’ውን ብተመሳሳሊ ተቓውሞታቶም የስምዑ ኣለዉ።

ኣስታት 2 ሽሕ ኤርትራውያንን ሱዳናውያን ተቐይዶምሉ ዘለዉ ቤት ማእሰርቲ ሖሎት ኣብ ውሽጢ 90 መዓልታት ክዕጾ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ብ22 መስከረም ድሕሪ ምእዛዙ ዝፍለጥ’ዩ።

ናብ እስራኤል ዝኣትዉ ሓተቲ ዑቕባ’ውን ብዘይሕጋዊ መስረሕን ፍርድን ካብ ክልተ ወርሒ ንላዕሊ ከይእሰሩ’ውን እቲ ቤት ፍርዲ ወሲኑ ኣሎ።

====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0