መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቡን ህዝቢ ትግራይን ብዘውረዶ ግፍዕታት ኣብ መዝገብ ሓደጋ ባርባራውነት ሰፊሩ

Radio Erena: 17 February 2023

ብማእከል ሓላፍነት ንምክልኻል ጭቁናት ህዝብታት ዝፍለጥ ተቛም ኣብ ዘውጽኦ መበል 335 ናይ መጠንቀቕታ ጽሑፉ፡ ኤርትራ ንሶርያን ሀይትን ተኸቲላ እያ ኣብቲ ዝርዝር ኣትያ። በዚ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ካብቶም ኣሰቀቕቲ ባርባራዊ ግፍዕታት ዝፍጽሙ መንግስታት ኮይኑ’ሎ።

ኣብ ኤርትራ ዝተኻየደ ግፋን፡ ዝተሓተትዎ ኣባል ስድራቤት ብዘይ ምቕራቦም ኣደዳ ግፍዒ ዝኾኑ ግዳያት ከም ዘለዉ ከም ዘረጋገጸ ዝገልጽ እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ክሕተት ምጽንሑ ጠቒሱ፡፡

እቲ ማሕበር ከም መርትዖ ኣብ 2016 ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘዋቖሮ ኮሚሽን፡ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምስዋር ዜጋታት፡ ግዱድ ሽቕለት፡ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ፡ ማእሰርትን መቕተልትን ብምቕራብ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ዝቐረበሉ ጸብጻባት ተቐቢሉ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ገበን ከም ዝፍጽም፣ ምርዓሙ ኣስሚርሉ።

እቲ መንግስቲ ከምዚ ዝገበረ፡ ድሕርቲ ኣብ ትግራይ ዝተወዐ ኲናት እዩ ዝበለ እቲ ጸብጻብ፡ ሳራ ሃንተር ዝተባህለት ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ወኪሉ “መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝገብሮ ጭቆና ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ጎረቤት ሃገር እውን ግፍዕታት ምፍጻሙ ብምጥቃስ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምክትታሉ ከዛይድን፡ ንኤርትራ ዝተሰየመ ፍሉይ ራፖርተር ናብ ኤርትራ ንክኣቱ ጸቕጥታት ክግበረሉን ጸዊዓ።

ኤርትራ ብህግደፍ ክትምራሕ ካብ እትጅምር ጭቆናን ድሕረትን ተኣሳሲሩ ከም ዝለዓልን፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ “ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ”ዝብል ቅጽል ከም ዘውጽኣላን ይፍለጥ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    amiii 1 year ago

    hasewttiiiiii