ዕትሮ ጋዝ ብምስራቕ ክሲ ዝቐረበሎም ሰለስተ ሱዳናውያን፡ ኢዶም ብምቑራጽ ክቕጽዑ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ

Radio Erena: 17 February 2023

ካብ ከተማ ኡምዱርማን ዕትሮ ጋዝ ብምስራቕ ክሲ ዝቐረበሎም ሰለስተ ሱዳናውያን፡ ኢዶም ብምቑራጽ ክቕጽዑ ቤት ፍርዲ ሱዳን ኣዚዙ፣ ክብል ፈርስት ፖስት ዝተባህለ መርበብ ሓቢሩ።

ፈርስት ፖስት ኣብ ዝዘርገሖ ጸብጻብ፡ እዚ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት ብዓይነቱ ናይ መጀመርያ ምዃኑ ዝተነግረሉ ፍርዲ፡ ቅድሚ ክልተ ሳምንታት እኳ እንተተወሰነ ክሳብ ሕጂ ግን ብዙሕ ኣቓልቦ ተነፊግዎ እዩ ጸኒሑ።

እቶም ክሱሳት ብተወሳኺ ናይ ሰለስተ ዓመታት ማእሰርትን 2 ሚልዮን ፓውንድ ሱዳን ዝኣክል ገንዘባዊ መቕጻዕትን ተበይንሎም።

ብሕጊ ሸሪዓ ኣብ እትመሓደር ሱዳን፡ ከምዚ ዝዓይነቱ ፍርድታት ልሙድ’ኳ እንተኾነ፡ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ኣልበሽር ፍርዳዊ መስርሕ’ታ ሃገር ምምሕያሽ ከም ዘርኣየ እዩ ክግለጽ ጸኒሑ።

ይኹን እምበር እዚ ኣብ ልዕሊ’ዞም ሰለስተ ዜጋታት ዝተዋህበ ውሳኔ፡ ፍርዳዊ ኣካል ናይታ ሃገር ገና ካብቲ ኣብ ግዜ ኣልበሽር ዝነበሮ ብዙሕ ከም ዘይተለወጠ ዘርእይ እዩ ክብሉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከሲሶም።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0