መበል 42 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈጸምቲ ስራሕ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ጀሚሩ

Radio Erena: 16 February 2023

መበል 42 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈጸምቲ ስራሕ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ብረቡዕ 15 ለካቲት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ።

ኣብቲ ኣኼባ ሚንስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣባል ኣፍሪቃዊ ሕብረት ከም ዝሳተፉ ይፍለጥ።

ናይቲ ድሕሪ 1 ሰሙን ዝካየድ መበል 36 ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪካ፣ እቲ ቤት ምኽሪ “ትግባረ ነጻ ንግዳዊ ዞባ ኣፍሪቃ ይቀላጠፍ” ዝብል መርሓ፣ ቴማ ክኸውን ከጽድቕ እንከሎ፡ ኣብቲ ጉባኤ ዝቐርቡ ኣጀንዳታት ክውስን ምዃኑ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ኣኼባ ውሑዳት ሃገራት ኣፍሪቃ ጥራይ ወከልተን ምስዳደን ኣገራሚ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ። ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝሓበርዎ ብምኽንያት እዚ ዝግበር ዘሎ ኣኼባታት ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ኣብታ ከተማ ከቢድ ጸጥታዊ ስግኣት ተፈጢሩ ከም ዘሎን፡ እታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ጸጥታዊ ቁጽጽር ከም እትርከብን ይሕብሩ።

ኣብዚ ካብ 16 ክሳብ 19 ለካቲት ዝካየድ ናይ ሎሚ ዓመት ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኤርትራ ክትሳተፍ ንምዃና፣ ዛጊት ብወግዒ ኣይተሓበረን።

ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ኣብዚ ኣኼባ ብደረጃ ፕረዚደንት ክትሳተፍ ከም ዘይከኣለትን፡ ኣብ 2011 ኣብ ልዕሊ ኣኼበኛታት ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ከተካይድ ሓሲባ ብምባል ኣህጉራዊ ክሲ ቀሪቡላ ምንባሩን ይዝከር።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0