መንግስቲ ኤርትራ፣ ንግስነት ኩዌት ዜግነት ንዝነጸጎም ብ ‘ብዱን’ ዝፍለጡ ነበርቲ እታ ሃገር ፓስፖርት ከምዝሸጠሎም ተቓሊዑ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንግስነት ኩዌት ዜግነት ንዝነጸጎም ብ ‘ብዱን’ ዝፍለጡ ነበርቲ እታ ሃገር ፓስፖርት ከምዝሸጠሎም ተቓሊዑ

Radio Erena: 18 May 2016

Pass

ንግስነት ኩዌት ዜግነት ዝነጸጎም ብ’ብዱን’ ዝፍለጡ ነበርቲ እታ ሃገር፣ መንግስቲ ኤርትራ ብመንገዲ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲኡ ኣቢሉ ፓስፖርት ይሸጠሎም ምንባሩ ስሙ ክዕቐበሉ ዝሓተተ ዲፕሎማሰኛ ንሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጹ።

እቲ ካብ መወዳእታ 1999 ኣትሒዙ፣ ነቶም ብንግስነት ኩዌት ዜግነት ዝተነጽጉ ነበርቲ እታ ሃገር (ብዱን) ፓስፖርት ናይ ምሻጥ መስርሕ ክሳብ መፋቅር 2000 ዓ/ም ከምዝቐጸለ ዝሓበረ እቲ ዲፕሎማሰኛ፣ ክሳብ’ቲ ንሱ ዝፈለጦ እዋን ጥራይ ፣ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኩዌት ልዕሊ 2 ሽሕ ፓስፖርት ከምዝሸጠሎም ሓቢሩ።

ኣብቲ እዋን’ቲ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኩዌት ዝነበረ ኣምባሳደር ኣሕመድ ቡርሃን እኳ እንተኾነ፣ ነቲ ናይ ፓስፖርት ምሻጥ መስርሕ ንምስላጥ ዝተወከለ ውልቀሰብ ግና ካብ ክፍሊ ኢምግሬሽን ተላኢኹ ዝመጸ ምንባሩ እቲ ዲፕሎማሰኛ ነበረ ኣመልኪቱ።

 

መብዛሕቶም እቶም ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኩዌት ፓስፖርት ዝገዝኡ ብዱን፣ ናብ ኣመሪካ፣ ካናዳን ካልኦት ሃገራት ከምዝገዓዙ’ውን ጠቒሱ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቶም ብኩዌት ዜግነት ዝተነጽጉ ‘ብዱን’ ፓስፖርት ክሸጠሎም ዝተሰማምዐ፣ ንግስነት ኩዌት ነቲ መንግስቲ ፊናንስያዊ ሓገዝ ክገብረሉ ብዝኣተዎ መብጽዓታት ምዃኑ ይግለጽ።

ንግስነት ኩዌት ንኣስታት 35 ሽሕ ካብቶም ካብ ሶርያን ዒራቕን ከምዝፈለሱ ዝንገረሎም ‘ብዱን’፣ መበቆሎም ብምጽራይ ዜጋታቱ ምዃኖም ኣሚኑ ክትቕበሎም እንከሎ፣ ንኣስታት 70 ሽሕ ዝኾኑ ካልኦት ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዜግነት ነጺግዎም ይርከብ።

መንግስቲ ኮሞሮስ ነቶም ንግስነት ኩዌት ዜግነት ዝነጸገቶም ኣስታት 70 ሽሕ ብዱን፣ ዜግነት ክህቦም ኣምሳያኡ ከኣ ካብ ኩዌት ሓገዝ ክስልዓሉ ምሕታቱ’ውን ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ይግለጽ ኣሎ።

ንግስነት ኩዌት ብወገኑ፣ ብዘይካ’ቲ ንመንግስቲ ኮሞሮስ ዝህቦ ናይ ኣምሳያ ሓገዝ፣ ነቶም ንልዕሊ 60 ዓመታት ኣብ ኩዌት ዝተቐመጡ ‘ብዱን’ ናይ ኮሞሮስ ፓስፖርት እንተሒዞም፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ከዳልወሎም ምዃኑ’ዩ ዝጠቕስ።
==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0