መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዜጋታቱ ናይ ተቓወምቲ ቴሌቪዥን፣ ሬድዮን ኢንተርነትን ከይከታተሉ ኣጠንቂቑ

Radio Erena: 18 October 2016

Haile

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዜጋታት እታ ሃገር ናይ ተቓወምቲ መደባት ቴሌቪዥን ሬድዮን ኢንተርነትን ከይከታተሉ ዝኽልክል ኣዋጅ ኣውጺኡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሃገራት ዲፕሎማሰኛታት፣ ብዘይፍቓድ ካብ ኣዲስ ኣበባ 40 ኪሎሜተር ርሒቖም ከይንቀሳቐሱ’ውን ኣጠንቂቑ።

ህዝቢ፣ ብዘይፍቓድ መንግስቲ ኣኼባን ተቓውሞን ከየካይድ’ውን መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

እቲ መንግስቲ ብዘይካ’ዚ 40 ኪሎሜተር ብኹሉ ሸነኻት ዶባት ከም ተኣፋፊ ዞባ ኮይኑ ክጸንሕ ወሲኑ ኣሎ።

መንግስታውን ናይ ወፍሪን ትካላት ኣብ ዝርከበሉ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ከኣ ሰዓታት እቶ እቶ ተኣዊጅሉ ከምዘሎ’ዩ ዝንገር።

እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘውጽኦ ኣዋጃትን መጠንቀቕታን፣ ኣካል ናይቲ ካብ 8 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ’ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፣ ብህዝብታት ኣምሓራን ኦሮሞን ብዝካየድ ዘሎ ናዕብታት፣ ህይወት ኣማኢት ሰባት ብምጥፍኡን 10ታት ሚልዮናት ዶላራት ዝግመት ንብረት ከኣ ብምዕናውን፣ ናይ ህጹጽ እዋን ክትእውጅ ከምዝተገደደት ይፍለጥ።

===========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0