መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናይ ኣስታት 900 ኩባንያታት ዕደና ፍቓድ ከምዝሰረዘ ተገሊጹ

Radio Erena: 23 June 2022

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቦታት እታ ሃገር፣ ዳህሳስን ኩዕታን ነዳዲን ጋዝን ዝርከቦ ማዕድናት ከካይዳ ዝጸንሓ፣ ኣስታት 900 ናይ ወጻኢን ውሽጢ ሃገርን ኩባንያታት ፍቓድ ከምዝሰረዘ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ኣቃሊሓ።

ካብቶም ፍቓድ ዕደና ዝተሰረዞም ኩባንያታት፣ ኣብ ክልል ሶማል፣ ዞባ ኦጋዴን፣ ዳህሳስን ኩዕታን ነዳዲን ጋዝን ከካይድ ዝጸንሐ ናይ ቻይና ኩባንያ ፖሊ ጂሲኤልን ኣብ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ዕደና ወርቂ ዝነጥፍ ዘሎ ናይ ብሪጣንያ ኩባንያ ከፊ ጎልድን ይርከብዎም።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ኣብ ዳህሳስን ኩዕታን ዝተፈላለየ ማዕድናት ክነጥፋ ዝጸንሐ 591ናይ ውሽጢ ሃገር ትካላት ‘ውን ብተመሳሳሊ ፍቓድን ተሰሪዙ ኣሎ።

መንግስቲ፣ ንፍቓድ እዘን ኩባንያታት ዝሰረዘሉ ምኽንያት፣ ዛጊት ፍርያተን ናብ ዕዳጋ ከቕርባ ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣለን፣ ምድንጓየትን ዕንቅፋታትን የርእያ ብምህላወን ምዃኑ፣ እታ ጋዜጣ ንሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ማዕድን ብምጥቃስ ኣመልኪታ።

በዘን ኩባንያታት ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ዕደና ፕሮጀክታት፣ ብዝቐልጠፈ ናብ ፍርያትን ዕዳጋን ከብጽሐኦ ንዝኽእላ ካልኦት ክወሃብ ምዃኑ እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ በዓል ስልጣን ኣሚቱ።

ብፍላይ ነዳዲን ጋዝን ናብ ዕዳጋ ከቕርብ ትጽቢት ዝተገብረሉ ናይ ቻይና ኩባንያ ፖሊ ጂሲኤል፣ ንጥፈታቱ ከቐላጥፍ ተደጋጋሚ መጠንቀቕታ ከምዝተዋህቦ ‘ዩ ተሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ 2018 ኣብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ፣ ‘ኣብዚ ቀረባ ነዳዲ ከነውጽእ ኢና’ ክብል ካብ ዝሃቦ መግለጺ ንደሓር ጥራይ ኣስታት 4 ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0