መንግስቲ ሶማል፦ ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ሰጒጉ፡ ክልተ ኣብያተ ጽሕፈት ቆንስል ዓጽዩ

RADIO ERENA – Thursday, 04 April 2024

መንግስቲ ሶማል፡ ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ካብ ሃገሩ ከምዝሰጎጎ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ መንግስቲ ብዘይካዚ፡ ኣብ ርእሰ ምምሕዳራት ሶማሊላንድን ፑንትላንድን ንዝነበረ ኣብያተ ጽሕፈት ቆንስል ኢትዮጵያውን ከምዝዓጽወ ኣፍሊጡ።

ምስጓግ ኣምባሳደርን ምዕጻው ኣብያተ ጽሕፈት ቆንስልን ኢትዮጵያ ካብ ሶማል፡ ምስቲ ታ ሃገር ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ መረዳድኢ ሰነድ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ዝተሓሓዝ ምዃኑ ዩ ተጠቒሱ።

ኢትዮጵያ ምስ ሓንቲ ካብ ሉኣላዊት ኣካል ሶማል ዝኾነት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣብ ጉዳይ ዋንነት ባሕሪ ዘተኮረ ሰነድ ምኽታማ፡ ንሉአላውነትን ንግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማል ትግህስ ኣላክብል መንግስቲ ሶማል ብወግዒ ተቓውምኡ ገሊጹዩ።

ኣብ ርእሲዚ፡ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ፡ ብፈደራል መንግስቲ ንዝቐረበ እማም ምምሕያሽ ቅዋም ኣብ ምርጫ ብምንጻግ፣ ካብ ኣባላትነት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ድሕሪ ምስሓቡ፡ ልኡኹ ናብ ኢትዮጵያ ምስዳዱ ውን ንመንግስቲ ሶማል ኣቖጢዑ ኣሎ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ክንዲ ብቀቢላ ብዝውከሉ ኣባላት ዝውሰን፣ ህዝቢ መራሕቱ ብቀጥታ ክመርጽ ዘኽእሎ ክኸውን እማመ ምቕራቡን ብባይቶ ድማ ተቐባልነት ምርካቡን ዝተቓወመት ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ፡ ካብ ኣባላትነት ፈደራላዊ መንግስቲ ጥራይ ዘይኮነት ስሒባ፡ ነቲ መንግስቲ ውን ኣፍልጦ ከምዘይትህቦ ያ ገሊጻ።

ርእሰ ምምሕዳራት ሶማሊላንድን ፑንትላንድን፡ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል እናረሓቓ፡ ምስ ኢትዮጵያ ክውግና ዝዕዘብ ዘሎ መንግስቲ ሶማል፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዲፕሎማስያዉ ጸቕጢ ንምፍጣር ድማዩ፡ ሎሚ ሓሙስ 04 ሚያዝያ ንኣምባሳደር ታ ሃገር ብምስጓግ፡ ኣብያተ ጽሕፈት ቆንስል ዓጽዩ ዘሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባዚ ናይ መንግስቲ ሶማል ውሳኔ ብዝምልከት መግለጺ ይኹን ዝወስዶ ስጉምቲ ዛጊት ኣይተሓበረን።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0