መንግስቲ ሶማል፣ ናብ ኵናት ትግራይ ሰራዊት ከምዘይልኣኸ ገሊጹ

Radio Erena: 19 January 2021

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣብ ዝኸፈቶ ኵናት ንምድጋፍ፣ ኣብ ኤርትራ ክስልጥን ዝጸንሐ ኣስታት 3 ሽሕ ሰራዊት ከምዝልኣኸ፣ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ግጉይ ምዃኑ እቲ መንግስቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓበሬታ፣ ሓሶትን ብተቓወምቲ ወገናት ኮነ ኢላ ዝተዘርግሐን ምዃኑ’ዩ ሚኒስተር ዜና ሶማል፣ ዖትማን ኣቡባከር ዱበይ ኣመልኪቱ።

ይኹን’ምበር ምክትል ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሶማል ዝነበረ፣ ዓብዲሰላም ጉለድ ዝርከቦም ሓያሎ ሰበ ስልጣን ነበርን ኣባላት ፓርላማን፣ ሰራዊት ሶማል ንኣብይ ኣሕመድ ንምድጋፍ ናብ ትግራይ ከምዝኣተወ የረጋግጹ ምህላዎም ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይእንፍታ።

መርበብ ሓበሬታ ጋሮወ ኦንላይን፣ ንምክትል ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ ኣብ ትግራይ ካብ ዝኣተዉ ወትሃደራት ሶማል፣ ብውሕዱ 370 ከምዝተቐትሉ ክሕብር እንከሎ፣ ካልኦት ወገናት ድማ ናብ ትግራይ ካብ ዝወፈረ ኣስታት 3 ሽሕ ሰራዊት ሶማል፣ ኣስታት 180 ጥራይ ከምዝተረፉ የመልክቱ።

ኣብ ኵናት ትግራይ፣ ብሰሜናዊ ክፋል፣ ዝበዝሓ ኣብቲ ኵናት ዝተሳተፋ ኣሃዱታት፣ ናይ ኤርትራ ምዃነን ክረጋገጽ እንከሎ፣ ብምዕራብን ደቡብ ትግራይ ድማ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሚሊሻታት ኣምሓራን’ዮም ተሳቲፎም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ፣ ኣብ ኤርትራ ንኣስታት ሓደ ዓመት ክስልጥኑ ዝጸንሑ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል፣ ምስ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣሃዱታት ተሓናፊጾም ኣብዚ ኵናት ከምዝተሳተፉ ብወገን ሶማላውያን ክስማዕ ጀሚሩ ኣሎ።

መንግስቲ ሶማል፣ ግና ንኹሉ’ቲ ዝቐረብ ዘሎ ክስታት ነጺግዎ’ዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0