መበል 70 ዓመት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት  ተዘኪሩ

መበል 70 ዓመት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ተዘኪሩ

Radio Erena: 12 December 2018

70 Years HR

10 ታሕሳስ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ንመበል 70 ዓመቱ ብደረጃ ዓለም ተዘኪሩ።

ኣብ 1948 ዝተኸተመ ሓፈሻዊ ውዕላት ሰብኣዊ መሰላት፣ ብልዕሊ 500 ቋንቋታት ተተርጕሙ ኣሎ።

ይኹን’ምበር ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ነቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝኸተማሉ ሓፈሻዊ ውዕላት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘየኽብራ ይውቐሳ።

ኤርትራ ብጉዳይ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ዝውቐሳ ሃገራት ዓለም ሓንቲ ኮይና፣ ነዚ ከጻሪ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ኮሚሽን ኣብ ኤርትራ ከበድቲ ምግህስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘለዉ ምድምዳሙ ይዝከር።

ብናጻ ምንቅስቓስ፣ ዝመረጽካዮ እምነት ምኽታልን ብናጻ ምምላኽን ፣ ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽን ካልእን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ብምግሃስ ግቡን ስም ዘለዎ መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስዚ ኣተሓሒዙ ኣሽሓት ዜጋታት ኣሲሩ ንሓያሎ ዓመታት ደሃዮም ኣጥፊኡ ከምዘሎ ይፍለጥ።

 

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0