መበል 37 ስሩዕ ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ይዝቲ

መበል 37 ስሩዕ ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ይዝቲ

Radio Erena: 13 March 2018

መበል 37 ስሩዕ ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ብሰኑይ 12 መጋቢት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኣመልኪቱ ከምዝዘተየ ተሓቢሩ።

እቲ ባይቶ ንሮቡዕ 14 መጋቢት’ውን ተመሳሳሊ ዘተ ከካይድ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብዚ ኣብ ጀኔቫ ዝካየድ ዘሎ ስሩዕ ዋዕላ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝወከሉ ዲፕሎማሰኛታትን ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን በብወገኖም ኣብ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ንዘለዎም ጸብጻባት የቕርቡ።

ካብ 26 ለካቲት ክሳብ 23 መጋቢት ንኣስታት ሓደ ወርሒ ክፉት ኮይኑ ዘሎ መበል 37 ስሩዕ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ የመን፣ ሶርያ፣ ደቡብ ኮርያ፣ በርማን ካልኦት ከቢድ ምግሃስ መሰላት ዝካየደለን ሃገራት ንዘሎ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ምዝታይን ጸብጻባት ኣብ ምስማዕን ይርከብ።

ኮሚሽነር ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ዮርዳኖሳዊ ዘይድ ራዓድ ኣል ሑሰይን፣ ኣብ 7 መጋቢት ነቲ ባይቶ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ክትዘራረብ ጀሚራ እኳ እንተላ፣ ኣብታ ሃገር ዝተራእየ ግብራዊ ገስጋስ ሰብኣዊ መሰላት ዘይምህላዉ ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0