መበል 31 ስሩዕ ዋዕላ ቤት ምኽሪ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ኣብ ኣልጀርያ ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: 02 November 2022

መበል 31 ስሩዕ ዋዕላ ቤት ምኽሪ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ኣብ ኣልጀርያ፣ ከተማ ኣልጀርስ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ባሕቲ ሕዳር ዝተኸፍተ፣ ዋዕላ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ኣአንጋዲት ኣልጀርያ እትርከበን ሃገራት ዓረብ ምስ እስራኤል ወግዓዊ ዝምድና ካብ ዝምስርታ ንመጀመርያ እዋኑ’ዩ ዝካየድ ዘሎ።

ብዘይካ’ታ ብሰንኪ ኵናት ካብ 2011 ኣትሒዛ ደስኪላ ዘላ ሶርያ፣ ብምሉአን 21 ኣባላት ሃገራት ይሳተፋ ኣለዋ።

ዝበዝሓ ሃገራት ብመራሕተን ክውከላ እንከለዋ ስዑዲ ዓረብ፣ ባሕሬይን፣ ዖማን፣ ሞሮኮን ሊባኖስን ልኡኻተን ጥራይ’የን ሰዲደን።

ኣሕመድ ዓቡል ገይት ዋና ጸሓፊኡ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ሎሚ 2 ሕዳር ኣብ ዝዛዝሞ ዋዕላ፣ ኣብ ውሕስነት መግቢን ጸዓትን፣ ህሉው ኩነታት ጸጥታ ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ወሰናስን ቀይሕ ባሕርን፣ ዞባውን ኣህጉራውያን ዲፕሎማሲ ኣባላት ሃገራት ከምኡ ድማ ምምልሳ ሶርያ ናብቲ ማሕበር ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ከምዝዝቲ’ዩ ተሓቢሩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0