መራሕቲ ቻይናን ህንድን ኣብ ሩዋንዳ ምብጻሕ ኣካይኦም

መራሕቲ ቻይናን ህንድን ኣብ ሩዋንዳ ምብጻሕ ኣካይኦም

Radio Erena: 27 July 2018

Kagame China India

ፕረዚደንት ቻይና ዚ ዢንፒንግን ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናረንድራ ሞድን ኣብ ርዋንዳ ምብጻሕ ኣካይዶም።

ፕረዚደንት ዚ ዢንፒንግን ኣብ ከተማ ኪጋሊ ድሕሪ ምእታው ምስ ፕረዚደንት ፓል ካጋመ ብ23 ሓምለ ኣብ ንግንድ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ዘተኮረ 15 ስምምዓት ከቲሞም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ናሪንድራ ሞዲ ብወገኑ ብ24 ሓምለ ምስ ፕረዚደንት ካጋመ ኣብ ዘካየዶ ተመሳሳሊ ርክብ፣ ኣብ ምህናጽ ኢንዱስትራዊ ፓርክን ምምዕባል ሕርሻን ርዋንዳ ዝውዕል ናይ 200 ሚልዮን ዶላር ልቓሕ ተሰማሚዖም።

ፕረዚደንት ቻይና ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ርዋንዳ ዑደቱ ዛዚሙ ናብ ሰኔጋል ከምርሕ እንከሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ከኣ ናብ ኡጋንዳ ከይዱ።

ፕረዚደንት ህንዲ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ጸዓት፣ ኤሌክትሪሲቲን ሕርሻን ዘተኮረ ናይ 205 ሚልዮን ዶላር ልቓሕ ምስ ፕረዚደንት ዮዌሪ ሙሴቬኒ ተሰማሚዑ።

መራሕቲ ናይተን ኣብ ዓለም ብብዝሒ ህዝብን ቁጠባን ዓርሞሽሽ ዝኾና ሃገራት ኤስያ ሃገራት ኣፍሪቃ ምብጻሕ ዘካይዱ ዘለው፣ ቅድሚ’ቲ ካብ 25 ክሳብ 27 ሓምለ ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ፣ ከተማ ዮውሃንስበርግ፣ ዝተኣንገደ መበል 10ይ ዋዕላ ብሪክስ ምስታፎም’ዮ።

ብሪክስ ኣሕጽሮተ ቃል ናይተን ብቁጠባ ዓርሞሽሽ እናኾና ዝግስግሳ ዘለዋ ሓሙሽተ ሃገራት፣- ብራዚል፣ ሩስያ፣ ህንዲ፣ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን’ዩ።

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0