– መራሕቲ ሃይማኖት ፍትሒ ክረኽቡ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ::

ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘ-ሰበኻ ሰገነይቲ ክቡር ኣቡነ ፍቕረማርያምጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘ-ሰበኻ ሰገነይቲ ክቡር ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ ምስ ብጾቶም ፍትሒ ክረኽቡ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ብ11 ሕዳር ኣብ ከተማ ጀኔቫ – ስዊዘርላንድ ተኻይዱ::

እቲ ኣብ ኣፍደገ ቤትጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ ሰልፊ ብመእመናንን ደለይቲ ፍትሒ ስዊዘርላንድን ዝተወደበ ኮይኑ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ ምስ ብጾቶም ብህጹጽ ክፍትሑ ጸዊዑ::

ሰልፈኛታት ‘ኣቦታትና ኣበይ ኣለዉ’: ‘እምነትን ሓሳብካ ብነጻ ምግላጽን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል እዩ’: ‘ምእሳር ኣባታት ሃይማኖት ምዝኽታም መእመናን እዩ’: ‘ኣቦታትና ብህጹጽ ይፈትሑ’ ዝብሉን ካልእን ጭርሖታትን መልእኽትን ኣመሓላሊፎም::

ሰልፈኛታት ብተወሳኺ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኽዎ ደብዳቤ: ‘ማሕበረሰብ ዓለም መንግስቲ ኤርትራ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት እሱራትን ክፈትሕ ጸቕጢ ክገብር ጸዊዖም::

ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘ-ሰበኻ ሰገነይቲ ክቡር ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ ናይ ኤውሮጳ መገሻኦም ዛዚሞን ንኤርትራ ኣብ ዝተመልሱሉ ብ15 ጥቅምቲ 2022 ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተጨውዮም ተወሲዶም::

እቶም ‘ሓውኻ ኣበይ ኣሎ’: ‘ዘፍቅር ሰብ ብናጽነት ይነብር ናይ ካልኦት ናጽነት ከኣ የኽብር’ ኢሎም ትምህርቲ ክህቡ ዝጸንሑ መራሒ ሃይማኖት ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ከምዝተወስዱ ደኣ እንበር ኣበየናይ ቦታ ተቐይዶም ከምዘለዉ ዝፍለጥ የለን:

COMMENTS

WORDPRESS: 0