ሕ/ ኢማራት ዓረብ ናብ ኤርትራ ዝቐረበት ወደብ ሖዴይዳ ናይ የመን ንምቁጽጻር መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ተካይድ

ሕ/ ኢማራት ዓረብ ናብ ኤርትራ ዝቐረበት ወደብ ሖዴይዳ ናይ የመን ንምቁጽጻር መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ተካይድ

Radio Erena: 13 June 2018

UAE jet fighters

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ስደት ዝርከብ ፕረዚደንት የመን ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ ብዛዕባ’ቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ወደብ ሖዴይድ እተካይዶ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ንምዝርራብ ብሰኑይ 11 ሰነ ናብ ኣቡ ዳቢ ኣትዩ።

ንሱ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ ወራሲ ዓራትን ምክልት ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገርን ብምርኻብ ብዛዕባ’ቲ መጥቃዕቲ ክዘራረብ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝተደገፈ ሰራዊት መንግስቲ የመን፣ ነታ ናብ ኤርትራ ዝቐረበት፣ ወደብ ንምቁጽጻር ተደጋጋሚ ፈተነ እኳ እንተካየደ፣ ምሉእ ብምሉእ ካብ ሑቲ ክምንዝዓ ግና ኣይከኣለን።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝርከባ ወደባት የመን ብዕብየታ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እትስራዕ ሖደይዳ፣ ሑቲ ካብ ግዳም ንዝርኽቦ ሓገዛት እታ ቀንዲ ኣፍደገ ምዃና ይግለጽ።

ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብዕልዋ መንግስቲ ክወቕሳ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ፣ ንወደብ ሖዴይዳ ምሉእ ብምሉእ ካብ ሑቲ ንምምንዛዕ ኣብ ዝካየድ መጥቃዕቲ ናይ ሓባር መርገጺ ንምውሳድ ናብ ምይይጥ ዝቐረበሉ ምኽንያት ብስዑዲ ዓረብ ተገዲዱ ክኸውን ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት ይዝትዩ።

ሖዴይዳ ምስ ገማግም ባሕሪ ዕዲ ናይ ኤርትራ ፊት ንፊት ተማዓድያ እትርከብ ስትራቴጅያዊት ወደብ’ያ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ነቲ ኣብዛ ወደብ እተካይዶ ዘላ ዘላ መጠነ ሰፊሕ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ደኵናቶ ዘላ መዓስከር ከም ናይ ሎጂስቲክን ሓይሊ ኣየርን መናሃርያ ክትጥቀመሉ ከምእትኽእል ይግመት።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0