ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየድ ምርጫ ተዓዛቢ ክልእኽ ምዃኑ ገሊጹ

Radio Erena: 20 April 2021

ኩነታት ኢትዮጵያ ካብዚ ዘለዎ እንተዘይብኢሱ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብታ ሃገር ዝመጽእ ወርሒ ንዝካየድ ምርጫ፣ ተዓዛቢ ክልእኽ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ናይቲ ሕብረት፣ ብ19 ሚያዝያ ድሕሪ ዘካየዶ፡ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ዘተኮረ ዘተ’ዩ ነዚ ውሳኔ ኣሕሊፉ።

እንተኾነ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበኣሰ ይመጽእ ስለዘሎ፣ ብዛዕባ ምልኣኽ ተዓዛቢ ምርጫ ናብ ኢትዮጵያ፣ ቅድሚ’ቲ ምርጫ ዝካየደሉ ዕለት፣ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ዳግማይ ውሳኔ ክወሃበሉ’ዩ።

ምልኣኽ ተዓዛቢ ምርጫ ናብ ኢትዮጵያ ዘረጋገጸ፣ ላዕለዋይ ወኪል ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ጆሴፍ ቦረል፣ ኣብ ትግራይ ኵናት ይቕጽል ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ተፈጢሩ ከምዘሎ ደጊሙ ኣተሓሳሲቡ።

ሰራዊት ኤርትራ፣ ብዝቐልጠፈ ካብ ትግራይ ክወጻእ ከምዘለዎ ድማ ኣስሚርሉ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0