ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ንኤርትራ ናይ ሓደ ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ኣበርኪታ

Radio Erena: 22 March 2020

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ኤርትራ ተራእዩ ንዘሎ ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት ናይ ሓደ ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ኣበርኪታ።
እዚ ብናይ በረኻ ዝፍለጥ ዕስለ ኣንበጣ ሓደ ካብቶም ኣዕነውቲ ዓሌት ኮይኑ፣ ሓደ ትርብዒት ኪሎሜተር ዝብዝሑ ኣብ መዓልቲ ክንዲ ናይ 35 ሽሕ ሰባት ከምዝምገብ ይፍለጥ።
ሚኒስትሪ ሕርሻ ብሓገዝ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተሰንዩ ነቲ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘእተዎ ክገልጽ እኳ እንተጸነሐ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላትን፣ ኤርትራ ካብቲ ሓደጋ ገና ከምዘይተገላገለት እዮም ዝገልጹ።
ነዚ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝለገሰቶ ናይ ሓደ ሚልዮን ዶላር ፋይናንስያዊ ሓገዝ፣ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ብሓጎስ ከምዝተቐበሎ እውን ኣፍሊጡ።
ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብተደጋጋሚ ዝረአ ዘሎ እዚ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ሶማልያን ከቢድ ዕንወት ከምዘኸትል እኳ እንተተገልጸ፣ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ኤርትራ ብብዝሒ ይረአ ከምዘሎ ይግለጽ።
ብ21 ለካቲት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቀይሕ ባሕሪ ከምዝተራእየ ዝግለጽ ዕስለ ኣንበጣ፣ ኣብ ከባቢ 400 ሄክታር መሬት መጥቃዕቲ ከምዘውረደን ብምትሕብባር ሚኒስትሪታት ሕርሻን፣ ምክልኻልን ከምኡ’ውን ዞባዊ ምምሕዳር፣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወ እዩ ሚኒስትሪ ሕርሻ ክገልጽ ጸኒሑ።

በዚ ዕስለ ኣንበጣ ንዝተጠዓ ሃገራት ሓገዝ ዝኸውን ናይ 138 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ እኳ እንተሓተተ፣ ክሳብ ሕጂ 105 ሚልዮን ዶላር እዩ ተለጊሱ ዘሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    Korona brtoe hmam eyo mshdo bzoh seb eyo hamemo zelo