ፈረንሳ፣ ምስፍሕፋሕ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ ኣብ እትገብሮ ዘላ ቃልሲ፣ ምንቅስቓስ ሰባት ዝድርት ኣዋጅ ዝጠሓሱ ክሳብ 6 ወርሒ ክትኣስር ምዃና ተጠንቅቕ

Radio Erena: 23 March 2020

ፈረንሳ፣ ምስፍሕፋሕ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ ኣብ እትገብሮ ዘላ ቃልሲ፣ ምንቅስቓስ ሰባት ዝድርት ኣዋጅ ብተደጋጋሚ ንዝጠሓሱ ክሳብ 6 ወርሒ ክትኣስር ምዃና ዘጠንቅቕ ጽኑዕ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ።

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኣቐዲሙ ዘሕለፎ ኣዋጅ፣ ብዘይብቁዕ ምኽንያት ክንቀሳቀስ ዝተታሕዘ ሰብ ክሳብ 135 ኤውሮ ክቅጻዕ ዝብል ውሳኔ ብዙሕ ሰብ ክጥሕሶ’ዩ ተራእዩ።

ባይቶ ፈረንሳ ትማሊ 22 መጋቢት ተጋቢኡ ንመንግስቲ ብዝሃቦ ድጋፍ መሰረት፣ ኣብ 15 መዓልታት ክልተ ግዜ ነቲ ሕጊ ዝጠሓሰ 1500 ኤውሮ ክቕጻዕ፣ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ኣርባዕተ ግዜ ዝጠሓሰ ድማ 3700 ኤውሮ ገንዘብን ሽዱሽተ ወርሒ ማእሰርቲን ክብየነሉ ተኽእሎ ኣሎ።

ባይቶ ፈረንሳ፣ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ብዘይካ’ዚ፣ ንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ናይ ጥዕና ሓደጋ እዋን ድንጋጌ ብምእዋጅ፣ መንግስቲ ነዚ እዋን የስግር’ዩ ዝበሎ ስጉምታት ክወስድ ምሉእ ስልጣን ሂብዎ ኣሎ።

ሓደ ካብኡ፣ ብዝሒ ግዳያት ህጹጽ ሓደጋ ኮረና ቫይረስ ኣብ ዘጋጥመሉ፣ ታክሲ ከም ናይ ኣምቡላንስ ሕሙማት ናይ ምምልላስ ኣገልግሎት ክህባ ክግደዳ’የን።

ኣብ ፈረንሳ ቁጽሪ ብኮረና ቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት መዓልታዊ ብኣስታት 100 እናዛየደ ልዕሊ 674 ክበጽሕ እንከሎ፣ ልዕሊ 16 ሽሕ ሰባት ድማ ተለኺፎም።

ዝበዝሑ ሓውዮም ነናብ ገዝኦም ክምለሱ እንከለዉ ኣስታት 2 ሽሕ ግና ሃለዋቶም ኣጥፊኦም ኣብ ጽዑቕ ክንክን ሆስፒታል ተዓቝቦም ይርከቡ።

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ምስፍሕፋሕ እቲ ሕማም ንምግታእ ልዕሊ 100 ሽሕ ኣባላት ፖሊስን ኣሽሓት ተወሰኽቲ ኣባላት ሰራዊትን ከዋፍር እንከሎ፣ ኣስታት 30 ሽሕ ግዳያት ኮረና ቫይረስ ዝሕዝ ናይ ህጹጽ እዋን ግዝያዊ ወትሃደራዊ ሆስፒታል ኣቑሙ ካብ ሎሚ ኣገልግሎቱ ክጅምር’ዩ።

እቲ መንግስቲ ብዘይካ’ዚ፣ ብሰንኪ እዚ ኩነታት ካብ ስርሖም ዝተሰናኸሉ ሰባት ደሞዞም ክኽፈሉን ንዝተዓጽዋ ንኣሽቱ ትካላት ድማ ናይ ወርሒ ክራይ ገዛ፣ ክፍሊት ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክን ማይን’ውን ክሕደገለን ምዃኑ ኣዊጁ’ዩ።

ፈረንሳ ኣቐዲማ ዝኣወጀቶ ናይ 15 መዓልታት፣ ናይ ውሸባ ግዜ ክሳብ 45 መዓልታት ከተዋውሖ’ያ።

ኣብ ኤውሮጳ ብምስፍሕፋሕ ኮረና ቫይረስ ብኸቢድ ዝተሃስያ ሃገራት ቀዳመይቲ ኢጣልያ’ያ። ዛጊት ልዕሊ 5476 ሰባት በቲ ሕማም ሞይቶም ኣለዉ።

ብካልኣይ ደረጃ ስጳኛ ኮይና፣ ኣስታት 1800 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፣ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ፈረንሳ ድማ 674 በጺሖም።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0