ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ተሓጋጋዚት ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢን፣ ናብ ኣዲስ ኣበባን ካርቱምን ክበጽሑ’ዮም

Radio Erena: 17 January 2022

ንትሽዓተ ኣዋርሕ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝነበረ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፌልትማን ብምትካእ ዝተመዘዘ፣ ኣምባሳደር ዳቪድ ሳተርፊልድ፣ ፈላሚ ዕደቱ ናብቲ ዞባ ከካይድ’ዩ።

ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ቦኽሪ ዑደቱ፣ ናብ ካርቱምን ኣዲስ ኣበባን ክበጽሕ ምዃኑ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

ተሓጋጋዚት ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ሞሊ ፊ ‘ውን ምስቲ ፍሉይ ልኡኽ ብሓባር፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ናብዘን ሃገራት ዑደት ብምክያድ፣ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን ክዝትዩ’ዮም።

እዞም ሰበ ስልጣን ኣመሪካ፣ ቅድሚ ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምምርሖም፣ ብስዑዲ ዓረብ ክሓልፉ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ቀንዲ ዛዕባ ዑደት ሰበ ስልጣን ኣመሪካ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያን ተጀሚሩ ዘሎ ዝርርብን፣ ንሱዳን ገጢሙዋ ዘሎ ብድሆታትን ደሞክራሲን ዘተኮረ ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት የረድኡ።

ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኵናት፣ ብፖለቲካዊ ዘተ ክፍታሕን ህጹጽ ረዲኤት ንዘልድዮም ሚልዮናት ሰባት ብዘይዕንቕፋት ክባጻሕን፣ ኣመሪካ ብቐዳምነት ኣተኩሮ ሂባቶ ዘሎ ኣጀንዳ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምዃኑ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ጆ ባይድን፣ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብቴሌፎን ኣብ ዘዘራረበሉ’ውን ኣብዚ ነጥቢ ዘተኮረ ምንባሩ፣ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ገሊጹ’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0