1 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ብደረጃ ዓለም ተዘኪሩ

1 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ብደረጃ ዓለም ተዘኪሩ

Radio Erena: 02 May 2016

sla

1 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ትማሊ ብደረጃ ዓለም ተዘኪሩ ውዒሉ።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት፣ ኣብ ከም በዓል ኤርትራ፣ ኩባን ሰሜን ኮርያ ዝኣመሰላ ሃገራት ብሰልፍን ካልእ ንጥፈታትን ዝዝከር ደኣ ይኹን’ምበር፣ እዘን ሃገራት እተን ቀንዲ መሰል ሰራሕተኛታት ዘይክበረለን ሃገራት ምዃነን ጸብጻብ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት የመልክት።

ኣብ ኤርትራ መሰል ሰራሕተኛታት ኣይክበርን ጥራይ ዘይኮነ፣ ከም መልዕሎ ወይ ጥሮታን ውሕስነት ስራሕን ዝኣመሰል ማሕበራዊ ድሕነት ሰራሕተኛታት’ውን ሕሉው ኣይኮነን።

 

እቲ መሰል ሰራሕተኛታት ክጣበቕ ዝግብኦ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ (ሃኮሰኤ) ከኣ ከምቶም ካልኦት ኣካላት ህግደፍ፣ ንረብሓ መንግስቲ ዘገልግል ብምኳኑ፣ ኣብ ኤርትራ ንመሰል ሰራሕተኛታት ዝጣበቕ ናጻ ኣካል የለን።

ብዓቢኡ’ውን ኣብዚ ዝሓለፈ 18 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ሰራሕተኛ ዳርጋ ብምሉኡ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ብውሑድ ክፍሊት ዝተታሕዘ’ዩ።

ብሰንኪ እዚ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት መንእሰያት፣ ኣብ ዝመረጽዎን ዘድምዕሉን ሞያ ክሰርሑ ኣብ ኤርትራ ዝኾና ባይታ ከምዘይብሎም’ውን ዝፍለጥ’ዩ።

መንእሰያት ኤርትራ ብሞያ ይኹን ካልእ ማሕበራዊ ድሕብነት ኣብ ዘይብሉ ሃገር ክነብሩ ኣጸጋሚ ስለዝኾነ፣ ከም ውጽኢቱ ድማ መዕገቲ ተሳኢንዎ ዘሎ ዋሕዚ ንብ ስደት ይርአ ኣሎ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0