‘ሓደ እዋን ንስቓይን መቕጻዕትን ዝነበረ ዕዮ፣ ካልእ ግዜ ምኽንያት ሽልማት ክኸውን ይኽእል’ዩ ’ ጸሓፊት ይርግኣለም ፍስሃ

Radio Erena: Wednesday, 29 November 2023

ኤርትራዊት ጸሓፊት ይርጋኣለም ፍስሃ ኣብ ስነ ጥበብ ብዝገበረቶ ኣበርክቶ ተዓዋቲት ሽልማት ‘ባይረሽ ኩንስትፎርደረፕራይስ’ [Bayerischer Kunstförderpreis] ኰይና።

ሽልማት ‘ባይረሽ ኩንስትፎርደረፕራይስ’ ስነጥበብ ንምድንፋዕ፣ ካብ 1965 ጀሚሩ ብዘይምቍራጽ ዓመታዊ ብሚኒስትሪ ሳይንስን ስነጥበብን ክፍለ ግዝኣት ባየር ጀርመን ዝዕደል ሽልማት’ዩ።

ይርጋኣለም ፡ በታ “Ich bin am Leben” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተሓተመት፣ ኣቐዲማ፡ ‘ኣለኹ’ ብዝብል ኣርእስቲ ተሓቲማ ዝጸንሐት መጽሓፋ’ያ ናብ ሽልማት በቒዓ።

ይርጋኣለም ፍስሃ፣ ዛጊት፣ “ኣለኹ” “ዘይበረየ ጎድነይ” “Ich bin am Leben” “Freiheit in Briefen” (ምስ ታንያ ኪንከል ብምዃን) ዘርእስተን መጻሕፍቲ ንማሕተም ኣብቂዓ ኣላ።

ጸሓፊት ይርግኣለም ብዘይዝኾነ ክሲ ካብ ለካቲት 2009 ክሳብ ጥሪ 2015 ን6 ዓመታት ዝኣክል፣ ምስ ካልኦት 10ታት ስነጥበባውያንን ጋዜጠኛታትን ተቐይዳ ፣ ኣብ ጥሪ 2015 ከምዝተለቀት ይዝከር።

እቶም መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ 22 ለካቲት 2009 ብኣልማማ ዝኣሰሮም ገጠምትን ስነ ጥበባውያንን ዝርከብዎም ኣባላት ሬድዮ ባና፣ ኣብ ማይ ስርዋን ዓዲ ኣቤቶን ከቢድ ስቓይ ከምዘሕለፉን ኣስታት 30 ካብኣቶም ድማ ኣብ መጋቢት 2013 ብዋሕስ ከምዝተፈትሑን፣ ዝዝከር’ዩ።

ይርግኣለም፣ ንዓወታ ‘ሓደ እዋን ንስቓይን መቕጻዕትን ዝነበረ ዕዮ፣ ካልእ ግዜ ምኽንያት ሽልማት ክኸውን ይኽእል’ዩ’ ብምባል ገሊጻቶ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0