ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዳባት ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ካብ መዓስከር ወጻኢ ከይንቀሳቐሱ ከልኪሎም

Radio Erena: 11 April 2022

ኣብ ትግራይ ካብ ዝተወልዐ ኵናት፣ ዝሓሸ ውሕስነት ኣለዎ ተባሂሎም፣ ናብ ክልል ኣምሓራ፣ ከባቢ ዳባት ዝገዓዙ ኣስታት 5 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ካብ መዓስከር ወጻኢ ከይንቀሳቐሱ፣ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ብጽኑዕ ይሕልውዎም ምህላዎም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

እቶም ኤርትራውያን፣ ኣብ ርእስ’ቲ ዝሓለፈ ቅንያት ብዕጡቓት ዝወረዶም መጥቃዕቲ፣ እኹል ወርሓዊ መቝነን’ውን ክረኽቡ ስለዘይክኣሉ፣ ናይ ባንክ ሕሳብ ዝጸንሖምን ገንዘብ ካብ ኣዲስ ኣበባንን ካልእን ዝተሓወለሎምን ናብ ከባቢ ጎንደር እናተንቀሳቐሱ፣ መሰረታዊ ነገራት ንምሽማት ተጸጊሞም ይርከቡ።

ኣብቲ ብኣለምዋጭ ዝፍለጥ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተደኮነ መዓስከር፣ ነቶም ኤርትራውያን ዘጋጥሞም ዘሎ ተደራራቢ ብድሆታት መፍትሒኡ ንምንዳይ ብዘካይድዎ ዘለዉ ምንቅስቓሳት፣ ብወከልቶም ኣቢሎም፣ ብቀዳም 9 ሚያዝያ ምስ ወከልቲ UNHCRን ኣገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዮጵያ ወይ RRSን ካልኦት ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ኣገልግሎታትን ርክብ ምክያዶም’ውን ተሓቢሩ።

እንተኾነ ኣብቲ ርክብ ዝተብጸሕ ምርድዳእ ከምዘይነበረ ‘ዩ ተመልኪቱ።

እቶም ኤርትራውያን፣ መሰረታዊ ጠለባቶም ክፍታሕን ውሕስነት ክወሃቦምን ካብ ዘቕረብዎ ቀንዲ ነጥብታት ክኸውን እንከሎ ወከልቲ UNHCRን ኢትዮጵያን ግና፣ ንሃልኪ ህዝባዊ ርክባት ዘገልገል ኣብ ግብሪ ዘይውዕል ተደጋጋሚ መብጽዓታት ጥራይ ይህብዎም ስለዘዉ’ዩ ኣብ ምርድዳእ ክበጽሕ ዘይክኣለ።

ኣብቲ ከባቢ መዓስከር፣ ምንጩ ዘይፍለጥ ተደጋጋሚ ተዅሲታት ይስማዕ ብምህላው፣ እቶም ኤርትራውያን ኣብ ቀጻሊ ስግኣትን ሻቕሎትን ከምዝርከቡ ገሊጾም።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0