ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ኣስታት 1500 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣድሒኑ

ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ኣስታት 1500 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣድሒኑ

Radio Erena: 07 April 2015

Italy1500

ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ፣ ኣብዘን ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት ኣስታት 1500 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣድሒቡ።

እቶም ብሓሙሽተ ጀላቡ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተበግሱ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ መብዛሕቶም ቀዳምን ናብ ሰንበት ኣብ ዘውግሐ ለይትን’ዮም ድሒኖም።

ካብዞም ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ድሒኖም ዘለዎ ኣምኢት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኢትዮጵያ፣ ንልዕሊ ዓመት ኣብ ‘መዝርዓታት’ ተታሒዞም ዝጸንሑ ከምዝርከብዎም’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

 

ኢጣልያ ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘድሓነቶም ልዕሊ 1500 ስደተኛታት ንገሊኦም ናብ ላምፔዱሳ ንገሊኦም ድማ ሲሲሊ ኣሰጋጊራቶም ትርከብ።

ናብ ኢጣልያ ንምስጋር ኣብ ‘መዝርዓታት’ ማለት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ንስደተኛታት ዝሓብእሉ መኻዚኖታት ዝርከቡ ኣምኢት ኤርትራውያን ኢትዮጵውያንን ብሰንኪ እዚ ኣብ ትሪፑሊን ካልእ ከተማታትን ዝካየድ ዘሎ ግጭታት ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከምዝርከቡ በብእዋኑ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ካብ ተመሳሳሊ ዜና ከይወጻእና፣ ኣብ ጀረመን፣ ከተማ ትሮግሊዝ ንስደተኛታት ከዕቑብ ዝተዳለወ ሓድሽ ህንጻ፣ ኣንጻር ስደተኛታት ሕሉፍ መርገጺ ብዘለዎም ጀርመናዊ ተቓጺሉ።

ጀርመን ሓንቲ ካብተን ብዜጋታት ኤርትራን ሶርያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዘዕለቕልቃ ዘለዋ ሃገራት ኤውሮጳ ኮይና፣ ኣንጻር ስደተኛታት ሕሉፍ መርገጺ ዘለዎም ዜጋታት እት ሃገር ድማ ብተደጋማሚ እዋን ተቓውሞታቶም ክገገልጹ ዘኒሖም’ዮም።

ከም መርኣያ ቁጠዐኦም ድማ ኣብ ከተማ ትግሊዝ ስደተኛታት ንምዕቋብ ዝተዳለወ ሓድሽ ህንጻ ብቀዳም ብሓዊ ከምዘቃጸልዎ ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር ኣረጋጊጹ።

እንተኾነ እቲ ሓድሽ ህንጻ ዝኾነ ስደተኛታት ስለዘይኣተዉ፣ ኣብ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት የለን።
====================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0