ሓላፊ ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ማሊክ ኣጋር ኣብ ደቡብ ሱዳን ምብጻሕ ኣካይዱ

RADIO ERENA – Friday, 05 April 2024

ማሊክ ኣጋር ዘካየዶ መገሻ ደቡብ ሱድን፣ ካብ ሃገራት እቲ ዞባ ደገፍ ንምርካብ ዝዓለመ ምኻኑ ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታት ይገልጹ።

ምክትል ኣቦ መንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ማሊክ ኣጋር ትማሊ ረቡዕ ናብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ሱዳን ጁባ ኣትዩ።

ኣጋር ምስ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ምክትላቱን ካቢነ ሚኒስተራትን ብምርኻብ ኣብ ሓባራዊ ረብሓን ምትሕብባርን ዝሕግዙ ጉዳያት ንምዝታይ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ክልተኣዊ ዝምድና ዝሕግዙ ስትራተጂታት ብቐጻሊ ንምዕባይ ዝሕግዙ መንገድታት ንምድህሳስ ወግዓዊ ዑደት ከምዘካየደ ንሪፖርተር ገሊጹ።

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ቱት ጋትሉኣክ፣ እቲ ዑደት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንዝካየዱ ክልተኣዊ ጉዳያት፣ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዘሎ ቁጠባዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ጸጥታዊ ምዕባለታት ንምዝታይ ምዃኑ ክሕብር እንከሎ ዝርዝር ናይቲ ዑደት ግና ኣይገለጸን።

ምክትል ኣቦ መንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ማሊክ ኣጋር ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሰራዊት ሱዳን ገስጋስ ይገብር ከም ዘሎን ኣብ ልዕሊ ፈጣን ሓይልታት መጥቃዕቲ ከምዘካየደን ኣረጋጊጹ።

ኣጋር ደብዳብ መዳፍዕን ቶኽሲ ጥይትን እናሃለወ ብዛዕባ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ መስርሕ ዝዝረብ ከምዘይህሉ ኣስሚሩሉ።

ብመሰረት መግለጺ ቤት ጽሕፈት ሚድያ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ፣ ማሊክ ኣጋር ምስ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ብዛዕባ መርገጺ ሱዳን ኣብ ዞባዊ ተበግሶታት ንሰላም ከም ዝተዘራረቡ ተሓቢሩ።

ብሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኢጋድ፣ ከምኡ’ውን ብስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን ዝምወል መስርሕ ሰላም ጅዳ ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ግጭት መወዳእታ ንምግባር ዝቐረቡ ተበግሶታት፣ ተግባራዊ ምግባሮም ኣብ ምኽባር ምስ ፈጣን ሓይልታት ዝተበጽሑ ስምምዓት ዝምርኮስ ምዃኑ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0