ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ብደብዳብ ናይ ዝተቐትሉ 14 ሰላማውያን ሰባት ሓላፍነት ወሲዱ

ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ብደብዳብ ናይ ዝተቐትሉ 14 ሰላማውያን ሰባት ሓላፍነት ወሲዱ

Radio Erena: 03 September 2017

yemen_raidብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ ከተማ ሰንዓ ብዘካየዶ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ናይ ዝተቐትሉ 14 ሰላማውያን ሰባት ሓላፍነት ወሲዱ።

ወሃብ ቃል’ቲ ልፍንቲ ኮሎኔል ቱርኪ ኣል ማልኪ ንኣገልግሎት ዜና ስዑዲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ ብዓርቢ 1 መስከረም ኣብ ከተማ ሰንዓ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ገለ ተክኒካዊ ጌጋታት ስለዝነበሮ፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት ከምዘውረደ ድሕሪ ምእማን፣ ንስድራቤት ግዳያት ይቕሬታ ሓቲቱ።

ንሱ ብተወሳኺ ዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ ኣብ መንጎ ሰላማዊ ሰብ ዝነብረሉ ከባቢታት ወተሃደራዊ ኣንቴናታት መራኸቢ ብምዝርግሖም እቲ ጉድኣት ክወርድ ከምዝኸኣለ ኣብሪሁ።

ክልተ መዓልታት ኣቐዲሙ’ውን ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ ከተማ ሰንዓ ብዘካየዶ ደብዳብ 35 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይፍለጥ።

ቀይሕ መስቀልን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ዝርከብዎም ሓያሎ ኣህጉራውያን ትካላት ነዚ ብዓርቢ ዝተኻየደ ህይወት 14 ሰላማውያን ሰባት ዝወሰደ ደብዳብ ነፈርቲ ዝኹንን መግለጺታት ኣውጺኦም።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ጀነቫ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ ጥራይ 58 ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ብ2015 ኣብ የመን ምትእትታው ካብ ዝጅምር ልዕሊ 8,400 ሰላማውያን ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ልዕሊ 47,800 ከኣ ከምዝቖሰሉ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና የመልክት።

ብዘይካ’ዚ ኣብ የመን እንዳስፋሕፈሐ ዝኸይድ ዘሎ ሕማም ኮሌራ ዛጊት ከባቢ 2 ሽሕ ሰባት ክቐትል እንከሎ፣ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ከኣ በቲ ሕማም ተለኺፎም ከምዘለዉ እቲ ውድብ ጥዕና ኣመልኪቱ።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0