‘ልዕሊ 20 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይ፣ ብሰንኪ ስእነት ቀረባት ሞይቶም።’ UNHCR

Radio Erena: 21 January 2022

ናብ ክልል ትግራይ፣ መሰረታዊ መድሃኒታት ዝርከብዎ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከይኣቱ ብዝግበር ዘሎ ከበባ፣ ኣብ መዓስከራት ዓዲ ሓሩሽን ማይ ዓይኒን ተዓቝቦም ካብ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ብውሕዱ 20 ከምዝሞቱ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ዝብእስ ዘሎ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይ ብዝብል ኣርእስቲ ሎሚ 21 ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ብቐሊሉ ክፍወስ ብዝኽእል ሕማማት ዝተጠቕዑ ሰባት፣ ሰኣን ሕክምናን ኣፋውስን ንሞት ይቓልዑ ምህላዎም ‘ዩ ኣተሓሳሲቡ።

ሞት ናይዞም ልዕሊ 20 ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ሰሙን ከምዘጋጠመ’ዩ እቲ መግለጺ ዝጠቕስ።

ኣብቲ መዓስከራት ዝነበራ ክሊኒክ፣ ብሰንኪ ስእነት መድሃኒታት፣ ካብ መጀመርያ ወርሒ ጥሪ ኣትሒዘን፣ ተሰናኺለን ከምዘለዋ ዘተሓሳሰበ UNHCR፣ እቲ ኩነታት ቅልጡፍ ፍታሕ እንተዘይረኺቡ፣ ብዝሒ ግዳያት ኤርትራውያን ስደተኛታት ክዛይድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያትውን ነፈርቲ ኵናት ኢትዮጵያን ድሮን ብዘካየድኦ ደብዳብ፣ ክልተ ቆልዑ ዝርከብዎም 3 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝተቐትሉ UNHCR ምግላጹ ይዝከር።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0