ልዕሊ 1500 ኤርትራውያን ኣብ በርን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም።

ልዕሊ 1500 ኤርትራውያን ኣብ በርን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም።

Radio Erena: 20 May 2018

Geneva

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ልዕሊ 1500 ኤርትራውያን ኣብ በርን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም።

ኣብቲ ብዕለት 18 ግንቦት ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ሰልፈኛታት ነቲ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ዝኽተሎ ዘሎ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ስደተኛታት ንምቅዋም ምንባሩ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

መንግስቲ ስዊዘርላንድ ካብ 9,400 ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን ናይቶም 3,200 ዳግመ ምጽራይ ክግበረሉ ምእዛዙ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ’ዩ። እቲ ዳግመ ምጽራይ ንሓያሎ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ መሰሎም ዝነፍግ ጥራይ ዘይኮነ ንገለ ካብኣቶም ናብ ኤርትራ ናይ ምጥራዝ ሓደጋ’ውን ከምዘለዎ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብቲ ብዝተፈላለያ ትካላት ተጣበቕቲ መሰላትን ግዱሳት ውልቀሰባትን ዝተወደበ ሰላማዊ ሰልፊ በርን፣ ኣቐዲሙ ዝተኣከበ ናይ 1500 ሰባት ፌርማታት ናብ ሚኒስተር ፍትሒ’ታ ሃገር ተረኪቡ።

መንግስቲ ስዊዘርላንድ ዝኽተሎ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ከመሓይሽ ዝጸውዑ ሰልፈኛታት፣ ‘ኤርትራ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ’ያ’ ‘ዘተ ምስ ውልቀ መላኺ ደው ይበል’ ዝብልን ካልእ ጭርሖታትን ኣልዒሎም።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ስዊዘርላንድን ስደተኛታት በስገዳድ ናይ ምጥራዝ ውዕል የለን። እንተኾነ ግና ፍቓደኛታት ንዝኾኑ ኣይንመልስን ማለት ኣይኮነን ክብል ሓላፊ ጉዳይ ስደተኛታት’ታ ሃገር ማሪዮ ጋቲከር ንማዕከናት ዜና ገሊጹ።

ስዊዘርላንድ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክትጥርዝ ዘኽእላ መደብ ንምሕንጻጽ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተደጋጋሚ ርክባት ከተካዪድ ጸኒሓ’ያ። እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ዛጊት ስደተኛታት ናይ ምቕባል ፍቓድ ኣየርኣየን።

ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ልዕሊ 1500 ሰባት ምርካቦም፣ ዕዉት ምንባሩ፣ ንጉዳይካ ዝምልከት ባዕልኻ ደው ክትብል ከምዘለካ፣ ብካልእ ወገን ከኣ ሓድነትን ፍቕርን ዘርኣየ እዩ ክብሉ ኣዳለውቲ’ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ማሕበራዊ መድያታት ኣብ ዝዘርግሑዎ ሓበሬታ ይገልጹ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0