ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኪሎሜተር ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እትውንን ኤርትራ፣ ኣብ ዞባ ዓንሰባ፣ ኣብ ዲጋታት ምርባሕ ዓሳ ንምስፋሕ ትሰርሓሉ ምህላዋ ገሊጻ

Radio Erena: 03 February 2023

ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኪሎሜተር ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እትውንን ኤርትራ፣ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ኣብ ዝርከብ ዲጋታት፣ ምርባሕ ዓሳ ንምስፋሕ ክትሰርሓሉ ምዃና ገሊጻ።

መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ፣ ብ25 ጥሪ ብዘቕረቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ምርባሕ ዓሳ ኣብ ዲጋታት ብምስፋሕ፡ ተጠቃምነት ስጋ ዓሳ፣ ከም መግቢ ንምስራጽ – ምስ መሻርኽቲ ብምትሕብባር ይስራሓሉ ኣሎ።

ካብ 1994 ዝፈለመ ምርባሕ ዓሳ ኣብ ዲጋታት፡ ብቐንዱ ኣብ ከባቢ ዲጋታት ዝነብር ህዝቢ ተረባሒ ዝኾነሉ መንገዲ ንምፍጣር ምዃኑ፣ ንሓላፊ ጨንፈር ሃብቲ ባሕሪ፣ ኣቶ መሓሪ ሃብተገርግስ ብምጥቃስ እቲ ኣገልግሎት ዜና ኣረዲኡ።

ኣብ ዞባ ዓንሰባ ካብ ዘለዋ 17 ዲጋታት፣ ኣብ’ተን 14 ምርባሕ ዓሳ ይካየድ ከምዘሎን፡ ኣብ2022፣ ካብ ሸውዓተ ዲጋታት እቲ ዞባ፣ ኣስታት 6 ሽሕ ኪሎዓሳ ከምዝተገፈፈን እቲ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ።

ኤርትራ፣ ካብ ብከላ ናጻ ዝኾነ፣ ሰፊሕ ገማግም ባሕሪ ትውንን ክነሳ፣ ስጋ ዓሳ ከም መግቢ ከተተኣታቱ ኣይክኣለትን።

ኣብ ዙርያ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝርከባ ሃገራት፣ ኤርትራ፣ ንመግቢ ይኹን ንሰደድ ዕዳጋ ፣ እታ ዝወሓደ ንጥፈታት ምግፋፍ ዓሳ ዝካየደላ ሃገር’ያ።

ኣብ 2020፣ ቀረብ ዓሳ ኣብ ኤርትራ፣ ኣስታት 5500 ቶን ምንባሩ ጸብጻብ ባንክ ዓለም ይጠቕስ።

ብኣንጻር እዚ፣ ብቀይሕ ባሕሪ ምስ ኤርትራ እትዳወብ የመን፣ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት፣ ኣስታት 120 ሽሕ ቶን ዓሳ ንቀረብ መግቢን ሰደድን ኣፍርያ።

የመን፣ ቅድሚ’ቲ ኣብ 2015 ዝተወልዐ ኵናት፣ ዓመታዊ ልዕሊ 200 ሽሕ ቶን ዓሳ ትገፍፍ ምንባራ፣ ጸብጻብ እቲ ኣህጉራዊ ፊናንስያዊ ትካል የመልክት።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    ጸጋታትካ ማዓስን ብከመይ ትጥቀመሉ ብቀንዱ ንዋንኡ ይምልከት!
    እቲ ዉሁብ ዘቤታውን ከባብያዊን ዓለማዊን ኩነት እውን ዝህልዎ ጽልዋ ምግንዛብ ቅኑዕ ይመስለኒ!
    ስለዚ ግራት ገደናይ ሐምሊ ይዝረኣዮ ድንሽ!ቃድራ ይግበሮ ጽግኢ ንዓይ ይምልከት!
    መዳርትተይ ጫት ዘሪኦሞ ኢለ ግና ከይደቀስኩ ኣይሐድርን!