ላዕለዋይ መራሒ ኣልቃዒዳ ኣብ የመን ተቐቲሉ

ላዕለዋይ መራሒ ኣልቃዒዳ ኣብ የመን ተቐቲሉ

Radio Erena: 16 April 2015

aqbal

ኢብራህም ኣል ሩባይሺ ዝተባህለ መራሕቲ ናይቲ ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ኣልቓዒዳ፣ ኣመሪካ ብዘካየደቶ ናይ ሰብ ልቦ ነፈርቲ ደብዳብ ከምዝተቐትለ ኣልቓዒዳ ኣረጋጊጹ።

ኣል ሩባይሺ ብግብረ ሽበራ ተጠርጢሩ ኣብ ጓንታናሞ ተኣሲሩ ከምዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፣ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ድሕሪ ምልቓቑ’ዩ ናብ የመን ብምኻድ ንዝዓበየ ክፋል ኣልቓዒዳ ክመርሕ ጸኒሑ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ የመን ዘሎ ናይ ጸጥታ ሃጓፍ፣ ንጥሩፋት ጉጅለታት ብፍላይ ንኣልቓዒዳ ምቹእ ባይታ ክፈጥር ይኽእል’ዩ እናተባህለ’ዩ ዝዝረበሉ።

 

ጎኒ ጎኒ’ቲ ስዑዲ ዓረብን መሻርኽታን ኣንጻር ተቓወምቲ ሒቲ ዘካይዶ ዘለዋ ወትሃደራዊ መጥቃዕታት፣ ኣመሪካ’ውን ኣብ ፍሉይ ስርሒታት ተዋፊራ ምህላዋ ይግለጽ።

ኣብዚ ናብ ሰኑይ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ዝተኻየደ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ደብዳብ ድማ፣ ብዘይካ እቲ ላዕለዋይ መራሒ ኣልቓዒዳ ካልኦት ኣርባዕተ ወትሃደራውያንን ሃይማኖታውያንን መራሕቲ እቲ ጉጅለ’ውን ከምዝተቐትሉ፣ እቲ ጉጅለ ተኣሚኑ ኣሎ።
====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0