ላብቴክ፣ ኣብ ኤርትራ ናይ ኣስታት 700 ሽሕ ዶላር ዝግመት ናይ ላብራቶሪ ኣቝሑ ንምትካል ተዓዊቱ

Radio Erena: 07 February 2017

Labtech

ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝመደበሩ ኩባንያ ‘ላብቴክ’፣ ኣብ ኤርትራ ናይ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ዝግመት ፕሮጀክት ምትካል ናይ ላባራቶሪ ኣቑሑ ከምዝተዓወተ ገሊጹ።

እቲ ንሕክምናዊ ላባራቶሪ ዘገልግሉ ኣቑሑ ኣብ ምፍራይ ምትካልን ዝነጥፍ ኩባንያ፣ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ልምዓት ዝምወል ኣብ ኤርትራ ዝሰላሰል ናይ 2.8 ሚልዮን ድርሃም፣ ማለት ኣስታት 700 ሽሕ ዶላር ፕሮጀክት ምህናጽ ዘመናዊ ላባራቶሪ ከምዝተዓወተ እኳ እንተገለጸ፣ እቲ ፕሮጀከት ኣበይ ቦታን መዓስን ከምዝሰላሰል ኣይሓበረን።

ኩባንያ ላብቴክ፣ ኣብ ግብጽን ኢትዮጵያን’ውን ብተመሳሳሊ ሰፋሕቲ ናይ ላባራቶሪ ፕሮጀክታት ንምዕዋት ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

 =========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0