ህብብቲ ኤርትራዊት ድምጻዊት ኣዴና ጸሃይቱ በራኺ ኣብ መበል 79 ዓመት ዕድሚኤን ዓሪፈን

ህብብቲ ኤርትራዊት ድምጻዊት ኣዴና ጸሃይቱ በራኺ ኣብ መበል 79 ዓመት ዕድሚኤን ዓሪፈን

Radio Erena: 28 May 2018

tsehaytu beraki

ህብብቲ ኤርትራዊት ድምጻዊት ኣዴና ጸሃይቱ በራኺ ኣብ መበል 79 ዓመት ዕድሚኤን፣ ብ24 ግንቦት ኣብ ሃገረ ሆላንድ ዓሪፈን።

ኣብ ዓውዲ ሙዚቃ ልዑል ኣበርክቶ ዝገበራ ኣዴና ጸሃይቱ በራኺ፣ ኣብ ንኡስ ዕድሚኤን ብክራር ምልሃይ ከምዝጀመራ ዘዘንተዉ ፈለጥተን፣ ኣብ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ስነጥበብ ኤርትራ ዝተጻወትኦ ኣበርክቶ ኣብ ታሪኽ ነባሪ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ኣዴና ጸሃይቱ በራኺ ብንጽልን ኣልቡምን ዘፍረይኦ ዓሰርተታት ደርፍታት፣ ካብ ወለዶ ንወለዶ እናተሰጋገረ፣ ሓወልቲ ዝኽረን ክኽውን’ዩ።

ሬድዮ ኤረና ንስድራቤት ኣዴና ጸሃይቱ በራኺን ኩሎም ፈተውተንን ጽንዓት ይሃብኩም ትብል።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0