‘ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ንመስርሕ ሰላም ዕንቅፋት ክኸውን ይኽእል እዩ’: ኦባሳንጆ

Sunday,, 27 November 2022

‘ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ንመስርሕ ሰላም ዕንቅፋት ክኸውን ይኽእል እዩ’ ክብል ኣብቲ ዞባ ዑደት ዘካየደ ላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ገሊጹ።

ነቲ ልኡኽ ዝመርሐ ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ፣ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልል ትግራይ ድሕሪ ምዝታይ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ‘ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ከውርዱ ዘቕርቦ ዘለዉ ቀዳማይ ጠለብ፣ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ እዩ’ ብምባል፣ ንስምምዕ ንዘተ ሰላም ፕሪቶርያን ናይሮቢን መሓንቖ ክኸውን ይኽእል’ዩ ኢሉ።

‘እዚ ብህወሓት ዝቐርብ ዘሎ ጠለብ፣ ኣብ ዘተ ሰላም ፕሪቶርያ እውን ብተደጋጋሚ ተላዒሉን፣ ፍታሕ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝተባህለ መንገድታት እንተሎ’ውን ተዘትዩሉን እዩ’ ድሕሪ ምባል ኦባሳንጆ፣ ‘ሕጂ’ውን ፍታሕ ንምርካብ ጻዕርታት ከነካይድ ኢና ኢሉ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ መቐለ ዝገይሽ ዘሎ፣ ድሕሪ’ቲ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ናይ ቴለፎን ርክብ ምክያዱ፣ ክልተ መዓልቲ ድሒሩ’ዩ።

ምውጻእ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝብል ኣብቲ ስምምዕ ንዘተ ሰላም ሰፊሩ ዘሎ ነጥቢ ናይ ምትግባር ሓላፍነት ዘለዎ ፈደራላዊ መንግስቲ እዩ ክብሉ ሰበስልጣን ህወሓት፣ ንላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ምትሕስሳቦም ይግለጽ።

ምውራድ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ፣ ሓደ ወርሒ ድሕሪ ምፍርራም ዘተ ንስምምዕ ክትግበር ብክልቲኦም ወገናት ኣብ ስምምዕ እኳ እንተተበጽሐ፣ ብተግባር ግና ሓያሎ ኣዋርሕ ክወስድ ከምዝኽእል ሰበስልጣን ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ዝሃብዎ ቃል ገሊጾም እዮም።

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0