ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሶማል፣ ኣብ ቅትለት ናይታ ናብ ኤርትራ ናይ ዝተላእኩ ወትሃደራት ሰነዳት ኔሩዋ ዝተባህለት ኣባሉ ኢድ ከምዘይነበሮ ተገሊጹ

Radio Erena: 24 November 2021

ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሶማል፣ ኣብ ቅትለት ናይታ ናብ ኤርትራ ናይ ዝተልኣኹ ወትሃደራት ሰነዳት ኔሩዋ ዝተባህለት ኣባል ስለያ፣ ኢድ ከምዘይነበሮ፣ ነቲ ጉዳይ ክትምርምርን ከተጻርን ዝጸንሐት ኮሚተ ኣረጋጊጻ።

ብቀዳማይ ሚኒስተር ሑሰን ሮብለ ዝቖመት፣ ሚኒስተራት ምክልኻልን ውሽጣዊ ጉዳያትን፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ከምኡ ድማ ኣምባሳደር ሶማል ኣብ ኢትዮጵያን ዘለዉዋ ኮሚተ፣ ንኣዋርሕ ከተካይዶ ኣብ ዝጸንሐት ምጽራይ፣ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን፣ ያሲን ፋራይን ምክትሉን ኣብ ቅትለት ኣባል ስለያ፣ ኢክራን ታሕሊል ኢድ ከምዘይነበሮም፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝዘርግሓቶ ጸብጻብ ጠቒሳ።

ጓል 24 ዓመት ኣባል ስለያ፣ ኢክራን ታሕሊል ፋራሕ ክኢላ መርበብ ቴክኖሎጂ ኮይና፣ ካብ 26 ሰነ ኣትሒዛ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ተጨውያ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ ወርሒ መስከረም ተቐቲላ ተረኺባ።

ኣብ ፈለማ ቅትለት እዛ ካብ 2017 ኣትሒዛ ኣባል ስለያ ሶማል ዝኾነት መንእሰይ፣ ኣልሸባብ ከምዝፈጸሞ እኳ እንተተገለጸ፣ ድሒሩ ግና ምስቲ ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ወትሃደራት ሶማል ዝተሓሓዝ ምስጢራት ትፈልጥ’ያ ተባሂላ ብሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን እታ ሃገር ከምዝተቐንጸለት ‘ዩ ተመልኪቱ።

ብሰንኪ’ዚ ጉዳይ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ሑሰን ሮብለን ፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆን ከቢድ ምፍጣጥ ተፈጢሩ ጸኒሑ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0