ፖሊስ ፈረንሳ፣ ኣብ ጎደናታት ፓሪስ ዝሓድሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታትን ብጎነጽ ምብታኑ ተነቒፉ

ፖሊስ ፈረንሳ፣ ኣብ ጎደናታት ፓሪስ ዝሓድሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታትን ብጎነጽ ምብታኑ ተነቒፉ

Radio Erena : 12 June 2015

parismigra

ፖሊስ ፈረንሳ፣ ኣብ ጎደናታት ፓሪስ ቴንዳታት ብምዝርጋሕ ክነብሩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ንምብታን ጎነጽ ምጥቃሞም ካብ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ተሪር ተቓውሞ ገጢምዎም።

ምምሕዳር ከተማ ፓሪስ፣ ነቶም ስደተኛታት ካብቲ ክነብርሉ ዝጸንሑ ኣብ ትሕቲ ድልድላት መንገዲ ባቡርን ካልእ ቦታታትን ናብ ውሑስ ቦታ ንምግዓዞም ተበግሶ እኳ እንተወሰደ፣ መብዛሕቶም እቶም ስደተኛታት ግና ናብ ካልእ ሃገር ንምግዓዝ ስለዝወጠኑ ኣብቲ ዝነብርዎ ክጸንሑ’ዮም መሪጾም።

 

እቶም ስደተኛታት ካብቲ ብዘይሕጊ ክነብርሉ ዝጸንሑ ከባቢታት ክእለዩ፣ ፖሊስ ናይ 48 ሰዓታት ግዜ ድሕሪ ምሃብ ከኣ፣ ነቶም ፍቓደናታት ብኣቶቡሳት ናብ ውሑስ ቦታ ከግዕዝ እንከሎ፣ እቶም ዝበዝሁ ግና ፈቐድኡ’ዮም ተበታቲኖም ጸኒሖም።

ካብ ሰኑይ 8 ሰነ ኣትሒዙ ግና ፖሊስ ፈረንሳ፣ ነቶም ደጊሞም ክተኣኻኸቡ ዝጀመሩ ስደተኛታት ንምብታን ጎነጽ ከምዝተጠቕመን፣ ምስቶም ስደተኛታትን ንመሰል ስደተኛታት ዝጣበቑ ዜጋታት ፈረንሳን ከምዝተጋጨወን ኣብቲ ቦታ ዝተረኽበ ጋዜጠኛ ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጹ።

ፖሊስ፣ ዘንብዕ ጋዝ ብድርባይ’ውን ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ስደተኛታት መጠናዊ ጉድኣት ኣውሪዱ።

እቲ ምትፍናን ሕጂ’ውን ይቕጽል ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኩነታት ኣብ ፓሪስ ኣብ ጎደናታት ናይ ዝሓድሩ ዘለዉ ስደተኛታት ኣብ መላእ ፈረንሳ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ፓሪስ ስደተኛታት ዝዕቖብሉ ማእከል ክዳሎ ብከንቲባ እታ ከተማ ኣን ሂዳልጎ ዝቀረበ እማመ፣ ሓያሎ ፖለቲከኛታት ፈረንሳ ይዝትይሉ።

ፈረንሳ ከም ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ስደተኛታት ብግዝያውነት ዝዕቖብሉ መዓስከር የበላን።

===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0