ሕቡራት ሃገራት ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቱ ዘውጽኦ መግለጺ ኣተኩሮ ማዕከናት ዜና ዓለም ረኺቡ

ሕቡራት ሃገራት ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቱ ዘውጽኦ መግለጺ ኣተኩሮ ማዕከናት ዜና ዓለም ረኺቡ

Radio Erena: 12 June 2015

comIn

ሕቡራት ሃገራት፣ መንግስቲ ኤርትራ ንዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ዘውጽኦ መግለጺ ኣተኩሮ ማዕከናት ዜና ዓለም ረኺቡ።

ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክትምርምር ብሕቡራት ሃገራት ዝቖመት ኮሚሽን፣  ብሰኑ 8 ሰነ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝርከቦም ሓያሎ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ብገበን ኣጻር ሰብኣውነት ኣብ ርእሲ ምኽሳስ፣ ኣብ ኤርትራ ብሓፈሻ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ምህላዉ ኣረጋጊጻ።

ማዕከናት ዜና ኣመሪካ፣ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ድማ ነዚ በታ ኮሚሽን ዝቐረበ ጸብጻብ ብዝተፈላለየ መኣዝናት እናተናኸፋ ሰፊሕ ትንታነታት ይህባሉ ኣለዋ።

 

ብፍላይ ሃገራት ኤውሮጳ ምስቲ ኣቐዲሙ ከዘራርብዘን ዝጸንሐ ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራ ብምትሕሓዝ፣ ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰፊሕ ሸፈነ ሂበንኦ ይርከባ።

=====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0