ፕረዚደንታት ኤርትራን ሱዳንን፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ዞባና ብፍላይ ድማ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘትዮም

ፕረዚደንታት ኤርትራን ሱዳንን፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ዞባና ብፍላይ ድማ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘትዮም

Radio Erena: 11 June 2015

AlbesISUU

ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ዝምድና ክልቲኤን ሃገራትን ጸጥታ ዶባት ብዝምልከት ተዘራሪቦም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብቲ ሎሚ 11 ሰነ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ዘካየድዎ ዝርርብ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣቐዲሙ ብቀጠርን ሱዳንን ከምዝተወስደ ዝተነግረ ተበግሶ ዕርቒ ኤርትራን ኢትዮጵያን’ውን ከምዝዘተዩ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ጠቒሶም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም፣ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ካርቱም ኣብ ዝኣተወሉ፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ሱዳን ብወትሃደራዊ ሰልፊ ተቐቢሎሞ።

Albeshisusu

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ሱዳን ኣብ ዝጸንሓሉ መዓልታት፣ ብዛዕባ ኩነታት ምብራቕ ሱዳን፣ ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ዝካየድ ዘሎ ናይ ኮንትሮባንዳ ንግዲ፣ ምስግጋር ስደተኛታትን ካልእ ምስ ቁጠባን ልምዓትን ዝተኣሳሰር ኣርእስታት’ውን ክዝትዩ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ፣ ኣብ ቃለ-መሓላ ፕረዚደንት ሱዳን ክሳተፍ ብፕረዚደንት ኣልበሽር ዕድመ ቀሪብሉ ከብቕዕ፣ ኣብቲ ስነ ስርዓት ብዘይምስታፉ፣ ኣዘራራቢ ኮይኑ ቀንዩ’ዩ።

ቀጠርን ሱዳንን፣ ነቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ቀንዲ ሓናቒ ሽግራት ዝርአ ምትፍናን ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምፍታሕ ሓድሽ ተበግሶ ከምዝወሰዳ ሬድዮ ኤረና ንዲፕሎማስያዊን ምንጭታታ ብምጥቃስ ኣቐዲሞ ምሕባራ ይዝከር።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0