ፕረዚደንት ግብጺ፣ ናብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍጻም መደብ ከምዘለዎ ገሊጹ

ፕረዚደንት ግብጺ፣ ናብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍጻም መደብ ከምዘለዎ ገሊጹ

Radio Erena : 26 September, 2014

Elsisi Hailemariam

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኤልሲሲ ናብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ዑደት ከካይድ ምዃኑ ንኣፈኛ እቲ ፕረዚደንት ብምጥቓስ ኣልኣሕራም ገሊጻ።

ፕረዚደንት ኤልሲሲ ነዚ ዝገለጸ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ መበል 69 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተራኸበሉ ኣጋጣሚ’ዩ።

እቲ ዑደት ንመዓስ ከምዝካየድ እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ኣልሲሲ ናብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምብጻሕ እንተፈጺሙ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት እናተጎሃሃረ ክመጽእ ዝጸንሐ ዲፕሎማስያውይን ፖለቲካውን ምትፍናን ናብ ናይ ምርድዳእ መንፈስ ከምርሖ ከምዝኽእል ይትንተን።

 

ኢትዮጵያን ግብጽን ብጉዳይ ናይል ኣብ ምስሕሓብ ካብ ዝኣትዋ፣ ግብጺ ሰለስተ መራሕቲ ቀያይራ እኳ እንተላ፣ ናብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ዑደት ንምክያድ ከምዝደሊ ብወግዒ ዝገለጸ ፕረዚደንት፣ ኤልሲሲ ናይ መጀመርያ’ዩ።

ኣቐዲሙ’ውን፣ ሚኒስተር ሕርሻ ግብጺ ሓሳም ኤል ሙጋዚ፣ ኣብቲ ኢትዮጵያ ኣብ ገማግም ወሓዚ ናይል እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ወግዓዊ ዑደት ከምዘካየደ ተገሊጹ’ዩ።

ኣብ ካልእ ናይ ኢትዮጵያ ዜና፣ ኣብ መበል 69 ሓፈሻዊ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሳተፍ ዘሎ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምስ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝርርብ ኣካይዱ።

ኣብ ኒዮርክ ኣብ ዝተኻየደ መበል 69 ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ልዕሊ 100 መራሕቲ ሃገራት ዓለም ክሳተፉ እንከለዉ፣ ፕረዚደንት ኤርትራ ግና ኣይተሳተፈን።

ኣብ ክንድኡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ወኪል’ዩ ተሳቲፉ።

=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0