ኣብ ሪያድ ስዑዲ ዓረብ፣ ሓንቲ ኤርትራዊት መንእሰይ ሃለዋታ ኣጥፊኣ ተደርብያ ተረኺባ

ኣብ ሪያድ ስዑዲ ዓረብ፣ ሓንቲ ኤርትራዊት መንእሰይ ሃለዋታ ኣጥፊኣ ተደርብያ ተረኺባ

Radio Erena : 26 September, 2014

Eri In Saudi

ብናይ ስራሕ ኩንትራት ካብ ኤርትራ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝኣተወት ኤርትራዊ መንእሰያት ኣብ ሪያድ ኣብ ዝርከብ ፓርክ ሃለዋታ ኣጥፊኣ ተደርብያ ከምዝተረኽበት ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እታ ኣካላዊ ስንክልና ዘለዋ ኤርትራዊት መንእሰይ፣ ኣብ ርያድ ኣብ ዝርከብ ፓርክ ሃለዋታ ኣጥፊኣ ተደርብያ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ከምዝጸንሐት እኳ እንተዘይተፈልጠ፣ ሓደ ታክሲታት ኣብ ዝረኸባ እዋን ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ስለዝጸንሐ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ከምዘረከባ እቲ ካቭ ስዑዲ ዓረብ ዝተላእከልና ሓበሬታ የመልክ።

ኣብ ሪያድ ብሰንኪ ዘሎ ሓያል ሙቐት ብጽምእን ድኻምን ተሰኒፋ ሃለዋት ኣጢፋ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ዝተረከበት ኤርትራዊት መንእሰይ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሆስፒታል ትእለ ከምዘላ’ውን እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

እታ ካብ ከባቢ ከረን ናብ ስዑዲ ዓረብ ንስራሕ ከምዝተላእከት ፓስፖርታ ዝጠቕስ መንእሰይ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ሃለዋታ ኣጥፊኣ ብምህላዋ ኩነታታ ክትሕብር ኣይከኣለትን።

 

ናብ ናይ ገዛ ስራሕ ከዋፍራ ዝተላእከትሉ ስዑዳዊ፣ ስንክልቲ ምዃና ምስፈለጠ ኣብቲ ስዑዳውያን ከም መናፈሲ ዝጥቐምሉ ፓርክ ደርብዩዋ ክኸውን ከምዝኽእል ግምታት ኣሎ።

እዛ ብናይ ስራሕ ኮንትራት ብቪዛ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝተላእከት ኣብ ክሊ ዕድመ 30 እትርከብ ኤርትራዊት መንእሰይ፣ ኣካላዊ ስንክልና ዘለዋ ክነሳ፣ ኣብ ናይ ገዛ ስራሕ ንኽትዋፈር ዝተላእከትሉ ኣገባብ ኤምባሲ ኤርትራ ምጽራይ ይገብረሉ ምህላዉ’ውን ተፈሊጡ።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0