ፕረዚደንት ጅቡቲ ኣብ ፈረንሳ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክፍጽም’ዩ

Radio Erena: 21 February 2017

Guell Chirac

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ፣ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ፈረንሳ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክፍጽም ምዃኑ ካብ ቤተ መንግስቲ ፈረንሳ- ኤሊዘ ዝተፈነወ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ጅቡቲ ኣብ ፈረንሳ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክፍጽም፣ ድሕሪ 10 ዓመታት ንመጀመርያ እዋኑ ምዃኑ ዝሓበረት ጋዜጣ ዥን ኣፍሪክ፣ እዚ ድማ ፈረንሳ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበራ ኣተኩሮ ብመጠኑ ከምዝጎደለ ዝእንፍት’ዩ ክትብል ገሊጻ።

ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝወሓደ ተገዳስነት ከምዘለዎ ዝንገረሉ ፕረዚደንት ፈረንሳ ፍራንስዋ ኦላንድ፣ ካብ ስልጣን ክእለ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ ግዜ’ዩ፣ ንፕረዚደንት ጅቡቲ ናብ ኤሊዘ ዓዲምዎ ዘሎ።

 ፕረዚደንት እስማዒል ጉለ ካብ 28 ለካቲት ኣትሒዙ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ብዘይካ’ቲ ምስ ፕረዚደንት ኦላንድ ዘካይዶ ዘተ፣ ምስ ኣባላት ባይቶ ፈረንሳ፣ ነጋዶን ኣውፈርትን ክዘራረብ’ዩ።

ፈረንሳ፣ ሓይሊ ባሕሪ ዘጠቓለለ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ኣብ ጅቡቲ ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ተገዳስነት ፈረንሳ ኣብቲ ዞባ እናዛሕተለ ኣብ ዝመጸሉ እዋን መዓስከራት ኣመሪካ፣ ቻይና፣ ጃፓን፣ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃገራት ከስፋሕፍሕ ይርአ ኣሎ።

ብሞግዚትነት ፈረንሳ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝቖመት ጅቡቲ፣ ካብ 53 ሃገራት ኣፍሪቃ እታ ዝበዝሐ ወትሃደራዊ መዓስከር ወጻኢ ሃገራት ዝቖመላ ንእሽቶ ሃገር’ያ።

 

ስእሊ፣ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0