ሱዳን፣ ልዑል ወሰኽ ዋጋ መንበሪ ፍቓድ፣ ብሕጋዊ ፓስፖርት ንዝነብሩ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጸቕጢ ይፈጥር

Radio Erena: 20 February 2017

Pass in Sudan

መንግስቲ ሱዳን፣ ዋጋ መንበሪ ፍቓድ (ብጣቓ) ካብ 500 ናብ 2350 ፓውንድ ክብ ምባሉ፣ ብሕጋዊ ፓስፖርት ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከቢድ ጸቕጢ ይፈጥር ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ቢሮም።

እቲ መንግስቲ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ብዝብል ምኽንያት፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ልዕሊ ዘይብሎም ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ቀጻሊ ግፋ ከካይድ እንከሎ፣ ነቶም ብሕጋዊ ፖስፖርት ዝነበሩ ድማ ዋጋታት መንበሪ ፍቓድ፣ ካብ 150 ናብ 500 ፓውንድ’ዩ ክብ ኣቢልዎ ጸኒሑ።

ካብዚ ቀረባ ድማ እቲ መንግስቲ ንዋጋ መንበሪ ፍቃድ ወይ ብጣቓ፣ ካብ 500 ናብ 2300 ክብ ምባሉ ኣብ ሱዳን ብሕጋዊ መንገዲ ንዝበሩ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከቢድ ጸቕጢ ፈጢሩ’ሎም ኣሎ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ልዕሊ ዘለዎም ዜጋታት እዘን ክልተ ሃገራት ከም ግፋ፣ ምቕዳድ ፓስፖርትን ዝኣመሰለ ግፍዕታት ይፍጽሙ ምህላዎም ካብ ካርቱም ብቀጻሊ ዝበጽሕ ዘሎ መረረታት’ዩ።

ኣብ ካርቱም ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ብፓስፖርት ናይ ኤርትራ ዝነበሩ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ዜጋታት ኤርትራ ንዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ክቓወም ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣሉ፣ ምስ ፓስፖርቶም ንዝተገፉ ኤርትራውያን ሓገዝ ኣብ ዝሓትሉ እዋን’ውን ጉቦ ከፊልኩም ውጹ ዝብል ምኽሪ ከምዝህቦም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና የረጋግጹ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ተመሳሳሊ ዜና፣ ኣስታት 300 ዝኮኑ ዜጋታት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ኤምባሲ ሃገሮም ዝኾነ ምትሕብባር ክገብረሎም ብዘይምኽኣሉ፣ ብዓርቢ 17 ለካቲት ኣብ ቀጽሪ እቲ ኤምባሲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ኢትዮጵያንውያን ኣብ ዘካየድዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፣ ናብ ቀጽሪ’ቲ ኤምባሲ እማንን ክድርብዩ’ውን ተራእዮም።

ነቲ ኣብ ቀጽሪ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ንምብታን ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ክዋፈሩ እንከለዉ፣ ን10ታት ካብቶም ሰለፈኛታት ከምዝቐየዱ እቶም ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሓይልታት ጸጥታ ካርቱም፣ ኣብ ምስናዕን ምድላውን ናይ ሓሶት ናይ ሰነድ ወረቓቕቲን ቪዛ ክነጥፍ ዝጸንሐ ናይ ወጻኢ ዜጋ ከምዝሓዙ ኣፍሊጦም።

እቲ ስሙን ምልኡ መንነቱ ዘይተገልጸ ሰብ፣ ኣብ ከተማ ካርቱም፣ ከባቢ ኣርካዊት ኣብ ዝተታሕዘሉ ናይ ኤርትራ ዝርከቦ ፓስፖርታት፣ 21 ዝተፈላለየ ማሕተም፣ ዝተሰነዐ ቪዛን ካልእ ናይ ኢምግሬሽን ዶኩመንታትን ናይ ወጻኢ ባጤራን ከምዝተረኽቦ መግለጺ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን የመልክት።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0