ሓያሎ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ደቡብ ሱዳን፣ ንፕረዚደንት ኪር ዘለዎም ተቓውሞ ብምግላጽ ስልጣኖም ይሓድጉ

Radio Erena: 21 February 2017

South Army

ሓያሎ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ደቡብ ሱዳን፣ ንፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ሚያርዲት ዘለዎም ተቓውሞ ብምግላጽ ስልጣኖም ይሓድጉ ከምዘለው ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ዛጊት ብወለንትኦም ስልጣኖም ካብ ዝሓደጉ ሽዱሽተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ደቡብ ሱዳን፣ ላዕለዋይ ዳኛ ሄንሪ ኦያይ ናያጎ፣ ሓላፊ ወትሃደራዊ ቤት ፍርዲ፣ ኻልድ ኦኖ ሎኪ፣ ሚኒስተር ዕዮ ጋብሪኤል ዶፕ ላምን ወትሃደራዊ ኣዛዚ ጀነራል ቶማስ ሲሪሎ ስዋካን ይርከብዎም።

እቶም ወትሃደራውን ሲቪላውን ሰበ ስልጣን ደቡብ ሱዳን፣ ስልጣኖም ብወለንትኦም ክሓድጉ ዝተገደድሉ ምኽንያት፣ ብፕረዚደንት ኪር ዝምራሕ መንግስቲ፣ ብዓሌታዊ ኣድልዎን ብልሽውናን ዝተቖማጠዐ’ዩ ብዝብል’ዮም።

ካብዚ ሓሊፎም’ውን ነቲ መንግስቲ ብምጽናት ዓሌትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ከሲሶሞ ኣለዉ።

መብዛሕትኦም እዞም ስልጣኖም ዝሓድጉ ዘለዉ ሰበ ስልጣን ደቡብ ሱዳን ካብ ዓሌት ኑዌር ኮይኖም፣ ካብ ዓሌት ዲንካ ዝኾነ ፕረዚደንት ኪር፣ ኣብ ልዕሊ ዓሌት ዲንካ ሓለፋታት ይገብር ከምዘሎ ወቒሶም።

ኣቐዲሙ ኣብ ሰንኮፍ ዝጸንሐ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ምስ ምእላይ እዞም ላዕለዎት ሰበ ስልጣናት ተወሳኺ ምግምማዕ ከየጋጥሞ ተሰጊኡ ኣሎ።

መንግስቲ ሱዳን፣ እቶም ሰበ ስልጣን ብወልንትኦም ስልጣኖም ምሕዳጎም ዘምጽኦ ለውጢ ከምዘየለ ብመንገዲ ኣፈኛታቱ ይገልጽ እኳ እንተሎ፣ ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ደቡብ ሱዳን ብምጽምባር፣ ነቲ ዘሎ ረመጽ ከየጎሃህሮ ሻቕሎት ፈጢሩ ምህላዉ ግና ብብዙሓት ወገናት ይገልጹ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0