ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ኣብ ግብጺ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ የካይድ

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ኣብ ግብጺ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ የካይድ

Radio Erena: 11 January 2016

Egy South

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ሚያርዲት፣ ኣብ ግብጺ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ብሰኑይ 9 ጥሪ ናብ ካይሮ ከምዝኣተወ ማዕከናት ዜና ግብጺ ሓቢረን።

ግብጺ ከም መቀጸልታ ናይቲ ምስ ጉዳይ ናይል ዝተኣሳሰራ ሃገራት እተካይዶ ዘላ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ዘተ፣ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ፣ ንፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ሚያርዲት ናብ ካይሮ ከምዝዓደሞ ተንተንቲ ይገልጹ።

ክልቲኦም መራሕቲ ዘካየድዎ ዘተ፣ ኣብ ጉዳይ ናይሊ ዘተኮረ ኮይኑ፣ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ክህሉ ብዛዕባ ዝክእል ምትሕግጋዝን ንግዳዊ ልውውጥን’ውን ተዘራሪቦም።

ፕረዚደንት ኣልሲሲ፣ ኣብ 18 ታሕሳስ 2016 ናብ ኡጋንዳ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ብምፍጻም ምስ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳያት ከምእተዘራረበ ይዝከር።

ልኡኽ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ 17 ታሕሳስ 2016 ናብቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ድሕሪ ምብጽሑ፣ ግብጺ ከም ግብረ መልሲ ምስ ኩለን’ተን ተን ምስ ኢትዮጵያ ምትእስሳር ዘለወን ሃገራት ጽዑቕ ርክብ ተካይድ ኣላ።

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ’ውን ብ26 ታሕሳስ 2016 ኣብ ካይሮ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ኣይርሳዕን።

ኣብ መንጎ ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ብጉዳይ ሶርያ ድሕሪ ዝተኸስተ ምስሕሓብ፣ ስዑዲ ዓረብ ናብ ግብጺ እትልኮ ዝነበረት ነዳዲ ደው ኣቢላቶ ጥራይ ዘይኮነ፣ ናብታ ምስ ግብጺ ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል እትሰሓሓብ ዘላ ኢትዮጵያ ኣተኩራ ትርከብ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ንጉስ ሳልማን ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ናይ 2016 ናብ ሪያድ ድሕሪ ምብጽሑ፣ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ድማ ከም ግብ መልሲ ኣብ ሰሙኑ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ካይሮ ከምዝዓደሞ’ውን ይዝከር።

ፕረዚደንት ግብጺ፣ ድሕሪ’ዚ ናይ ስዑዲን ኢትዮጵያን ሓድሽ ርክብ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ምስ ኢትዮጵያ ምትእስሳር ዘለዎም ኣርባዕተ መራሕቲ ሃገራት ተራኺቡ ኣሎ።

=================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0