ናብ ሊብያ ዝሰግሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 115 ስደተኛታት ተቐይዶም

Radio Erena: 10 January 2017

Sudan Libya Border

ምስ ‘ጃንጃዊድ’ ምትእስሳር ከምዘለዎም ዝንገረሎም ኣዕራብ ሚሊሻ ሱዳን፣ ናብ ሊብያ ንምስጋር ዝወጠኑ 115 ስደተኛታት ከምዝሓዙ  ንመግለጺ እቲ ጉጅለ ብምጥቃስ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ።

እቶም መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ምዃኖም ዝተሓበሩ ስደተኛታት፣ ብሰንበት 8 ጥሪ 2017 ድሕሪ ምትሓዞም ናብ ፖሊስ ሱዳን ከምዘረከብዎም እቲ ኣዛዚ ናይቲ ሚሊሻ ገሊጹ።

መንግስቲ ሱዳን ምስ ሃገራት ኤውሮጳ ብፍላይ ከኣ ምስ ኢጣልያ ድሕሪ ዝኣተዎ ስምምዕ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብቲ ምስ ሊብያ ዘዳውብ ከባቢ ሰሃራ፣ ፍሉያት ሓይልታት ምልሻ ከምዘዋፈረ ይፍለጥ።

እቶም ምሊሻ፣ ኣብ ሰነ 2016 ካብ ዝዋፈሩ፣ ናብ ሊብያ ዝሰግሩ ዝነበሩ ኣስታት 1500 ስደተኛታት ከምዝሓዙ’ውን ኣዛዚ ናይቲ ፍሉይ ሓይሊ ምሊሻ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣገንዚቡ።

ይኹን’ምበር፣ እቲ ሱዳን ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ዶብ ሊብያ ኣዋፊራቶም ዘላ ምሊሻ፣ ኣካል ናይቲ ኣብ ዳርፉር፣ ኣንጻር ጸለምቲ ደቀባት እቲ ዞባ ዓሌት ናይ ምጽናት ተግባራት ከምዝፈጸመ ዝኽሰስ ናይ ኣዕራብ ሚሊሻ ‘ጃንጃዊድ’ ምዃኑ’ዩ ዝንቀፍ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0