ንኣደ-መንበር ኮሚሽን ሕ/ ኣፍሪቃ እትወዳደር ዘላ ሚ/ ጉ/ ወጻኢ ኬንያ፣ ኤርትራ ናይ እትርከበን ሃገራት ደገፍ ትሓትት

Radio Erena: 11 January 2016

Amina

ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ንኣደ-መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኬንያን ዶክተር ኣሚና መሓመድ፣ ኤርትራ ካብ እትርከበን ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ደገፍ ንምምርካብ ትሓትት።

እታ ሕጽይቲ ተወዳዳሪትን ንኣደ-መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኬንያን፣ ዛጊት ናይ ኩለን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ደገፍ ከምዝረኸበት ካብ ኬንያ ዝተፈወነ ሓበሬታ ከረጋግጽ እንከሎ፣ ካብቲ ካብ ዞባዊ ጉዳያት ተነጺሉ ዝርከብ መንግቲ ኤርትራ ደገፍ ንምርካብ’ውን ናብ ኤርትራ ከምዝበጽሐት ኣመልኪቶም።

ዶክተር ኣሚና መሓመድ ብሰሉስ 10 ጥሪ ኣብ ኣስመራ ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺባ፣ ብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ ኣብ ዝካየድ ምርጫ፣ ደገፍ ኤርትራ ከምዘድልያ ብወግዒ ሓቲታ።

ፍሉይቲ ልእኽቲ ፕረዚደንት ኡጋንዳን ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ንኣደ-መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ሰሲል ኦግዋላ፣ ንተመሳሳሊ ዕላማ፣ ብ8 ሓምለ 2016 ኣስመራ ኣብ ዝበጽሓትሉ እዋን፣ ኤርትራ፣ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንዝወዳደር ሕጹይ ከምእትድግፍ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዘረጋገጸላ ይዝከር።

እንተኾነ፣ ኤርትራ ካብ ኬንያን ኡጋንዳን፣ ነየነይተን ሕጽይቲ ከምዝድግፍ ብወግዒ እኳ እንተዘየፍለጠት፣ ኡጋንዳ እትርከበን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንኬንያዊት ዶክተር ኣሚና፣ ይድግፋ ብምህላወን፣ ኤርትራውያን ንዶክተር ኣሚና ድምጻ ክትህብ ከምእትኽእል ይግመት።

ዶክተር ኣሚና፣ ካብ ኣባላት ሃገራት ሓባራዊ ዕዳጋ ምብራቓውን ደቡባውን ኣፍሪቃ ማለት (ኮሜሳ) ጥራይ ዘይኮነ ደገፍ ናይ 14 ኣባላት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ – ኤኮዋስ’ውን ረኺባ ከምዘላ’ዩ ዝንገር።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ካብ 22 ጥሪ 2017 ኣትሒዙ ኣብ ዘካይዶ ስሩዕ ኣኼባ፣ ሓዳስ ኣደ-መንበር ወይ ከኣ ሓድሽ ኣቦ-መንበር ክመርጽ’ዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0