ፕረዚደንት የመን ነበር፣ ካብታ ሃገር ጠቕሊሉ ክወጽእ መንገዲ ክጣጥሓሉ ሓቲቱ

ፕረዚደንት የመን ነበር፣ ካብታ ሃገር ጠቕሊሉ ክወጽእ መንገዲ ክጣጥሓሉ ሓቲቱ

Radio Erena : 17 April 2015

Ali Abdela

ኣብ የመን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዓቢ ግደ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ፕረዚደንት እታ ሃገር ነበረ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ፣ ካብታ ሃገር ንኽወጽእ መንገዲ ከጣጥሓሉ ይሓትት ምህላዉ ተገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር፣ ሓድሽ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ንምዕራፍ፣ ኩሎም ወገናት ዝሳተፍዎ ሓድሽ ናይ ዘተ ሰላም ዝብል ሓሳብ እኳ እንተቕረበ፣ ንሱ ግና ካብታ ሃገር ጠቕሊሉ ክወጻእ ምዃኑ’ዩ ዝሕብር ዘሎ።

ብስዑዲ ዓረብን መሻርኽታን ዝተመርሐ ጽዑቕ ደብዳብ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ስደት ኣብ ርያድ ዝርከብ መንግስቲ የመን ምስ ተቓወምቲ ሑቲ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ስምምዕ ክትግበርን፣ ሑቲ ንዓደንን ካልእ ክፋል እታ ሃገር ንምቁጽጻር ዝገብርዎ መጥቃዕታት ደው ክብልን ዝብል እማመ’ውን ምቕራቡ ኣልጀዚራ የመልክት።

ብሰንኪ እዚ ንልዕሊ ክልተ ቅነ ዝተኻየደ ደብዳብ፣ ወትሃደራዊ ግስጋሴኦም ብመጠኑ ተገቲኡ ዝርከብ ሑቲ፣ ነዚ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን ዘቕረቦ እማመ ክቕበልዎ’ውን ዝልዓለ ተስፋ ኣሎ።

እንተኾነ እቲ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ’ውን ኣብ ወትሃደራውን ስለያውን መዳይ እታ ሃገር ጽልዋ ዘለዎን፣ ምስ ሑቲ ድማ ከምዝደጋገፍን ዝንገረሉ ፕረዚደንት ነበረ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ኢዱ ካብታ ሃገር ክስሕብ ኩሉን ሃገራት ዓረብ ክጽውዓ ጸኒሐን’የን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ እቲ ፕረዚደንት ነበር ካብታ ሃገር ክወጻእ እንተኾይኑ መንገዲ ክጣትሓሉ ኣቐዲሙ ይሓትት ኣሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ የመን፣ እቲ ፕረዚደንት ነበር ናብ ኤርትራ ክኸይድ ዝልዓለ ተኽእሎ ከምዘሎ ምስ ሲኤንኤን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝተዋህቦ’ውን ይግለጽ ኔሩ’ዩ

እንተኾነ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ካብታ ሃገር ንኽወጽእ መንገዲ ክጣጥሓሉ ደኣ’ምበር ናበይ ሃገር ክኸይድ ከምዝደሊ ዝኾነ ኣንፈት ኣይሃበን።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0