ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ስደተኛታትን ናይ ወጻኢ ዜጋታትን ብዝካየድ ዘሎ ጎነጽ ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም 10ታት ሰባት ተቐቲሎም; ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዛጊት ዝበጽሐ ጉድኣት የለን

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ስደተኛታትን ናይ ወጻኢ ዜጋታትን ብዝካየድ ዘሎ ጎነጽ ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም 10ታት ሰባት ተቐቲሎም; ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዛጊት ዝበጽሐ ጉድኣት የለን

Radio Erena: 16 April 2015

RSAኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ስደተኛታትን ናይ ወጻኢ ዜጋታትን ዝተላዕለ ጎነጽ ናብ ዝበኣሰ ኣንፈት የምርሕ ኣሎ።

እቲ ኣንጻር ስደተኛታትን ናይ ወጻኢ ዜጋታትን ዝቀንዐ ጎነጽ ዝተሓወሶ ተቓውሞ ዝተበገሰ ንጉስ ናይቶም ዙሉ ዝተባህሉ ዓሌት እታ ሃገር፣ ወጻእተኛታት ካብ ሃገርና ተሓግሒጎም ክወጹ ኣለዎም ክብል ድሕሪ ዝሃቦ መግለጺ’ዩ።

ቦኽሪ ወዱ ንፕረዚደንት እታ ሃገር ጃኮብ ዙማ’ውን ዜጋታት ወጻኢ ንደቡብ ኣፍሪቃ ይዕብልሉዋ ምህላዎም ሓደገና ሳዕቤን ክህልዎ’ዩ ክብል መጠንቐቕታ ከመሓላልፍ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ኣንጻር ናይ ወጻኢ ዜጋታትን ስደተኛታትን ዝቀንዐ ጎነጽ ህይወት ዓሰርተታት ሰባት ግዳይ ጌሩ ኣሎ።

ብስደተኛታትን ናይ ወጻኢ ዜጋታትን ዝተቖጥዑ ደቡብ ኣፍሪቃ’ውን ኣብ ከተማታትን ደርባን ጆሃንስ በርግን ንዝሃዝዎም ዜጋታት ወጻኢ ሃገር ብናይ መካይን ጎማ እናኽበቡ ብቤንዚን እናቃጸልዎም ዘርኢ ቪድዮታት’ውን ተዘርጊሑ ኣሎ።

እቶም ብስደተኛታት ዝተቖጥዑ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣብ ከተማ ደርባን ንክልተ ኢትዮጵያን ኣሕዋት፣ ኣብ ዝውንኑዋ ንእሽቶ ዱኳን ብምዕጻው ብሓዊ ከምዘቃጸልዎም’ውን ሎስ ኣንጀለስ ታይምስ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ።

ኣብ ከተማ ደርባን ጥራይ ካብቲ ጎነጽ ዝሃደሙ ኣማኢት ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ልዕሊ 2400 ዜጋታት ወጻኢ ኣብ ግዝያዊ መዓስከራት ተዓቝቦም ከምዘለዉ ሁማን ራይትስ ዎች የመልክት።

በዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ስደተኛታትን ናይ ወጻኢ ዜጋታትን ተጎሃሂሩ ዘሎ ጎነጽ፣ ቀንዲ ግዳያት ዝኾኑ ዘለዉ ዜጋታት ሶማል፣ ኢትዮጵያ፣ ሞዛምቢክ፣ ማላዊ፣ ፓኪስታንን ናይጀርያን ምዃኖም’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ዶባት ኬንያ ታንዛንያን እናቖራረጹ ዓመታዊ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ዝኣትዉ ቁጽሪ ኢትዮጵያውያን ኣስታት 50 ሽሕ ክበጽሕ እንከሎ፣ ኣብታ ሃገር ናይ ዝርከቡ ስደተኛታት ብዝሒ ድማ ብድምር ካብ 2 ክሳብ 5 ሚልዮን ከምዝበጽሕ ጸብጻባት የመልክቱ።

ብትምህርትን ካልእ ምኽንያታትን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣተዉ ኣማኢት ኤርትራውያን ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ከምዝነብሩ’ውን ዝፍለጥ’ዩ።

ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዘየለ ሬድዮ ኤረና ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝርከቡ ምንጭታታ ብምውካስ ከተረጋግጽ ክኢላ ኣላ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0