ፕረዚደንት የመን፣ ንብምሉኦም ሚኒስተራቱ ካብ ስልጣን ሰጉጕ

ፕረዚደንት የመን፣ ንብምሉኦም ሚኒስተራቱ ካብ ስልጣን ሰጉጕ

Radio Erena: 04 September, 2014

Yemeni Cabinet

ፕርዚደንት የመን ዓብደሮቦ መንሱር ሓዲ፣ ንብምሉኦም ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራቱ ካብ ስልጣን ሰጕጉ።

እቲ ፕረዚደንት ቀዳማይ ሚኒስተር ንዝርከቦም ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራቱ ዝሰጉጎጎሉ ምኽንያት፣ ነቲ ብሰንኪ ተቓወምቲ ሺዓ- ሁቲ፣ ኣብታ ሃገር ተጓሃሂሩ ዘሎ ምፍጣጥ ሓድሽ መፍትሒ ንምንዳይ ዝዓለመ’ዩ።

ብሰንኪ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ምፍጣጥ፣ መንግስቲ የመን እኹል ነዳዲ ክቕርብ ብዘይምኽእሉ፣ ህዝቢ ሓያሎ ዞባታት እታ ሃገር ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ምክያድ’ዩ ዝርከብ።

 

ሃገራዊ ዕርቒ ንምስላጥ፣ የመን ብፈደራላዊ ስርዓት ክትመሓደር ኣብ ስምምዕ እኳ እንተተብጽሐ፣ ብፍላይ እቲ ምስ ተቓወምቲ ሁቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ክዝሕል ኣይተራእየን።

ፕረዚደንት እታ ሃገረ ከኣ፣ ሓድሽ ፍታሕ ንምምጻእ ሓድሽ መንግስቲ ክምስረት ኣለዎ ካብ ዝብል እምነት፣ ንብሙሉኦም ሚኒስተራቱ ካብ ስልጣኖም ኣባሪርዎም።

ኣብ ዝሓጸረ ግዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ክምዝዝ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ፕረዚደንት፣ እቲ ዝምዝዞ ቀዳማይ ሚኒስተር’ውን ብቑዓት ካቢነ ሚኒስተራት ከቅውም ትጽቢት ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ የመን ኣብ ርእሲ’ቲ ምስ ኣመንቲ ሺዓ ዝኾኑ ዕጡቃት ሁቲ ዘካይዶ ዘሎ ግጭት፣ ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ዘለዎም ጥሩፋት ጉጅለታት ብዘካይድዎ ዘሎሽበራዊ መጥቃዕታት’ውን ዕረፍቲ ክረክብ ኣይክኣለን።
==============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0